Home ዜና 6ይ ዘመን 3ይ ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ

6ይ ዘመን 3ይ ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ

1017
0

ብህዝባዊ መኸተ ዝተመዝገቡ ድሙቓት ፖለቲካዊ፣ ወታሃደራዊን ዲፕሎማስያውን ዓወታት ብምዕቃብ ህዝቢ ትግራይ ሓድነቱ ኣጠናኺሩ ሓዱሽ ቅያ ከመዝግብን ማሕበረሰብ ዓለም ህፁፅ መፍትሒ ክህብ ይግባእ ክብሉ ፕሬዝደንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ገሊፆም፡፡

ፕሬዝደንት ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል(ዶ/ር) ፀብፃብ ህሊው ኩነታትን ዓበይቲ መደባትን ናብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣቕሪቦም እዮም። በዓል መስመርን ዕላማን ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ብሓድነቱ ሰሚሩ ደጀንን ግንባርን ተኣሳስሩ ንመንነቱን ዓርሰ ውሳነኡን ብቕልፅሙ ህዝባዊ መኸተ እናካየደ ከምዘሎ ፕሬዝደንት ደብረፅዮን ተዛሪቦም።

ልዕሊ 6.5 ሚሊዮን ህዝቢ ትግራይ ልዕሊ 550 መዓልቲታት ዕፅዋን ክባን ተነቢርሉ ንጥሜትን ሞትን ተሳጢሑ ይርከብ ዝበሉ ፕሬዝደንት ደብረፅዮን ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንሰላም ዘለዎ ቅርቡነት ዝለዓለ ምኻኑን ማሕበረሰብ ዓለም ድማ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ዓፀባ ህፁፅ መፍትሒ ክገብረሉ ይግባእ ኢሎም።

ንሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝርከብ ዲያስፖራ ትግራይ ኣብ ዲፕሎማሲ፣ ፖለቲካዊ ቓልስን ዝተፈላለዩ ሓገዛት ዝገብርዎ ዘሎ መኽተ ብምንኣድ ሐዚ እውን ኣጠናኺሮም ክቕፅሉ ፕሬዝደንት ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል(ዶ/ር) ፀዊዖም።

ብሃፍታይ ባህረ

Previous articleህዝቢ ትግራይ ግፍዒ ምስ ዝፈፀመ ዉልቀ መላኺ ስርዓት ድኣ እምበር ኣብ ልዕሊ ሓርነት ኤርትራ ትማልን ሎምን ዘይቅየር መርገፂ እዩ ዘለና – ፕሬዝዳንት ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል(ዶ/ር)
Next articleመግለፂ ሰናይ ትምኒት ፕረዚዳንት ትግራይዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል