Home ኣሸንዳ 2017 ፀጋታትን ክብርታትን ኣሸንዳ ብዝግባእን ብሳይንሳዊ መንገድን እንድሕር ተጠቒምናሉ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ...

ፀጋታትን ክብርታትን ኣሸንዳ ብዝግባእን ብሳይንሳዊ መንገድን እንድሕር ተጠቒምናሉ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ በዓላት…

165

ፀጋታትን ክብርታትን ኣሸንዳ ብዝግባእን ብሳይንሳዊ መንገድን እንድሕር ተጠቒምናሉ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ በዓላት እቲ ዝበለፀን ብዙሓት ፀጋታት ቱሪዝም ዘለዎን በዓል ምዃኑ ሙሁር ስነ ፅሑፍ፣ ባህልን ዶክተር ትካቦ ገሊፆም።

መቐለ፥ ነሓሰ 09/2017 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)

በዓል ኣሸንዳ ሃይማኖታዊ ኣመፃፅኣ ዘለዎ ዋላ እንተኾነ ደቂ ኣንስትዮ ነፃነተን ተሓሊዉ ከኽብራ ኩሉ ሕብረተሰብ ዝቕበሎን ዘሳተፈን ስነ ቃላት፣ መጋየፅታት፣ ሳዕስዒትን ካልኦት ብዙሓት ፀጋታትኔ ሓቚፉ ዝሓዘ ብምዃኑ ባህላዊ ትሕዝቶ እውን ከምዘለዎ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዳይሬክተር ኮሙኒኬሽንን መምህር ስነ ፅሑፍ፣ ባህልን ጋዜጠኝነትን ዶክተር ትካቦ ገብረስላሴ ገሊፆም።

ፀጋታትን ክብርታትን ኣሸንዳ ብዝግባእን ሳይንሳዊ መንገድን እንድሕር ተጠቒምናሉ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ በዓላት እቲ ዝበለፀን ብዙሓት ፀጋታት ቱሪዝም ዘለዎን በዓል ምዃኑ ዶክተር ትካቦ ኣብሪሆም።

በዓል ኣሸንዳ ብደረጃ ዓለም ዝፋለጠሉን ናብ ፍልፍል ቁጠባ ንምቕያርን ምስ ዩኒቨርሲቲ ሜክሲኮ ብምትሕብባር ደቂ ኣንስትዮ ዝተባብዓሉን ተጠቃምነተን ዘረጋግፃሉን በዓል ክኸውን ብሓባር መፅናዕቲ ከምዘካየዱን ኣብ ቐረባ ጊዜ ተሓቲሙ ናብ ህዝቢ ዕላዊ ከም ዝኸውንን ኣፍሊጦም።

ኣሸንዳ ኣብ ዩኔስኮ ክምዝገብ እንተኾይኑ መበቆላዊን ጥንታዊን ትሕዝትኡ ከይተበረዘ ክኽበር ከም ዘለዎ ዝሓበሩ ዶክተር ትካቦ “ኣሸንዳ ናይ ኮንሰርት ትሕዝቶ የብሉን፤ እኳዳኣስ ናይ ባዕሉ ቅደም ሰዓብን ስርዓት ኣከባብራን ዘለዎ ደቂ ኣሸንዳ ካብ ቤተ ክርስትያን ተበጊሰን ገዛ ንገዛ እናዘራ ዘኽብርኦ በዓል እዩ” ኢሎም።

ኣሸንዳ መግለፂ ሓድነት፣ ነፃነትን ሰላምን ምዃኑ ዘብርሁ ዶክተር ትካቦ ሃይማኖታውን ባህላውን ክብርታቱን ተሓልዩ ክኽበርን ፍሰት በፃሕቲ ዓዲ ክህልዉን እንተኾይኑ ሰላም ክጠናኸርን ክስበኽን ከምዘለዎ ኣገንዚቦም።

ሎሚ ዓመት በዓል ኣሸንዳ” ኣሸንዳ ሰረት ሰላም፣ ሓድነትን ተስፋን ትግራይ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ክኽበር እዩ።

#ገብረመድህን_ተወልደመድህን