Home ዓለምለኻዊ ዜና መሬት ዩክረይን ንድርድር ዝቐርብ ኣይኮነን – ፕረዚደንት እታ ሃገር

መሬት ዩክረይን ንድርድር ዝቐርብ ኣይኮነን – ፕረዚደንት እታ ሃገር

255

መቐለ፥ ነሓሰ 12/2017 ዓ.ም. (ቴሌቭዥን ትግራይ)

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን እተካይዶ ዘላ ውግእ ደው ንምባል መሬት ዩክረይን ኣሕሊፍካ ምሃብ ከምዘይከኣል ፕረዝዳንት ዩክረይን ቮሎድመር ዘለንስኪ ገሊፆም፡፡

ኣብ መንጎ መራሕቲ ሩስያን ኣሜሪካን ብዛዕባ ዝተኻየደ ዘተ ኲናት ደው ምባል ፤ ግልፂ ዝኾነ ሓበሬታ ከምዘይብሎም ዝገለፁ ፕረዝዳንት ዘለንስኪ፤ ሉእላዊ ግዝኣት ሃገሮም ብዝኾነ መዐቀኒ ንዋጋ ዕዳጋ ክቐርብ ከምዘይኽእል ዕላዊ ገይሮም፡፡

መራሒ ዩክረይንን ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣውሮፓን ምስ ትራምፕ ንምዝታይ ኣሜሪካ ምእታዎም ዘዘኻኸረ ፀብፃብ ሲ ኤን ኤን፤ ቅድሚ 11 ዓመታት ብሩስያ ዝተጎበጠ ወደብ ኪሬምያ ኣካል ሩስያ ኮይኑ ክቕፅልን ዩክረይን ኣባል ኔቶ ከይትኸውንን ዝብሉ ኣጀንዳታት ከም ቅድመ ኩነት ተነቢሮም ምህላዎም ተሓቢሩ፡፡

ዝተቐመጡ ቅድመ ኩነታት ብዩክረይን ተቐባልነት ክረኽቡን ኣሜሪካ ውሕስና ፀጥታ ዩክረይን ክተረጋግፅን ዝብል ሓሳብ ኣካል እቲ ዘተ ከም ዝኾኑ ዘብርሁ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ዘተ ሰላም ዩክረይንን ሩስያን፤ ውሕስና ፀጥታ ዩክረይን ልዕሊ ኵናት ደው ምባል ከም ዝኾነ ብፕረዝዳንት ኣሜሪካ ከምዝተኣመነሉ ምጥቃሶም ሲ ኤን ኤን ፀብፂቡ፡፡

#ገ/ሄር ሃይሉ