Home ዜና ውሽጢ ዓዲ “ካብ ውጥኑ ዝተዛዘመ ዓብይ ግድብ ህዳሰ – ዓሻራ መለስ”-ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ

“ካብ ውጥኑ ዝተዛዘመ ዓብይ ግድብ ህዳሰ – ዓሻራ መለስ”-ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ

49

መቐለ፥ ጳጉሜን 4/2017 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ዓብይ ግድብ ህዳሰ ገና እንተይተጀመረ ብዙሕ ዝተደኸመሉ፣ ብዙሕ ዝተጠበበሉ፣ ዓለም ለኻዊ፣ ኣህጉራዊን ቀጠናዊን ፖሎቲካዊን ነበራዊ ኹነታትን ኣገናዚቡ ንክጅመር ዝተዓለመሉ ከምዝኾነ ንኣሽሓት ዓመታትን ዘመናትን ካብ ደርፍን ቑዛመን ኣውፂኡ ኣብ ተግባር ዝተሸረፈ በላሕትን ሊቃውንትን ዝሃንደስዎ ግድብ ከም ዝኾነ ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ኣፍሊጡ።

“ብሓቂ ዓብይን በዓል ራእይን ነበር ቀዳማይ ሚንስተር መለስ ዜናዊ ዝወጠኖ፥ ገና እንትጅመር ንህዝቢ በዓል ቤትነት ሂቡ ካብ ኣድማስ እስካብ ኣድማሰ፥ ካብ ኣርባዕቲኡ ኣንፈት ዘሰለፈ፣ካብ ዓለም ለኻዊ: ኣህጉራዊን ቀጠናዊን ፖሎቲካዊን ነበራዊ ኹነታትን ተፅዕኖ ወፃኢ ንክኾን፥ ብቐሊሉ ንከይኹለፍ ብመቐነትን ጁባን ሕድሕድ ዜጋ ንክስራሕ፥ ፈተናታት ተሻጊሩ ንፍረ ንክበቅዕ እንትጅመር እንተሎ ንክውዳእ በዓል ራእይ ቀዳማይ ሚንስተር መለስ ዜናዊ ዝሃንደሶ ግድብ” ከምዝኾነ እቲ ቢሮ ኣዘኻኺሩ።

ብሓቂ ድማ በዓል ራእይ ኣርሒቑ እዩ ዝእምት፣ዓብይ ፕሮጀክት እዩ ዝሕንፅፅ፣ እንትጅመር እዩ ዝውድእ “the means justifies the end” ከም ዝብል ፈረንጂ ዘፅግብያ ቕጫስ ኣብ መጎጎ እናሃለየ የፍልጥ ከም ማለት ክውሰድ ይኽእል እዩ እውን ኢሉ።

ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኣብ ድኽነት ንዘላ ዓዲ ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓሳ ሓፍ ዘብል፣ ንዘመናት ኣብ ፀልማት ዝነበረ ህዝቢ ብርሃን ዝህብ፣ ቀጠናዊ ምትእስሳር ዘስፍሕ፣ ሰብ ራኢይ ቀዳማይ ሚንስተር መለስ ዜናዊን ኢንጅነር ስመኘው በቀለን ብዋናነት፥ መሪሕነት ህዝብን ኣብ ሓደ ፖለቲካል ኢኮኖሚ ንክዓስል፣ ህዝቢ ንዘመናት ካብ ብኽያትን ሽለላን ወፂኡ ሰብኣዊን ፖሎቲካዊን ስብእና ከጥሪ ናይ እማን ዓበይትን በላሕትን ዝወጠንዎ ንፍረ ዝበቕዐ ዓበይ ግድብ እዩ እዉን ኢሉ።

ዓብይ ግድብ ህዳሰ እንኳዕ ከምቲ ዝተዓለመሉ ናብ ምረቓ በቕዐ! ታሪክ ድማ ናብ በዓል ዋናታቱ እንትኾን እዩ ዝምቅር እሞ ሰብ ራእይ ቀዳማይ ሚንስተር መለስ ዜናዊን ኢንጅነር ስመኘው በቀለን ህያዋን ኾይኖም ታሪክ እናዘከሮም ክነብር ከምዝነብር መግለፂ ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ሓቢሩ።