Home ዜና ውሽጢ ዓዲ መስራቲት ትካል ገባሪ ሰናይ ሕውየት መሰረት ሓድሽ ተዓዋቲት ሽልማት ብሬመን ሶሊዳሪቲ ኣዋርድ...

መስራቲት ትካል ገባሪ ሰናይ ሕውየት መሰረት ሓድሽ ተዓዋቲት ሽልማት ብሬመን ሶሊዳሪቲ ኣዋርድ ኮይና።

65

መቐለ፥መስከረም 19/2018 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

መስራቲት ትካል ገባሪ ሰናይ ሕውየት መሰረት ሓድሽ፡ ፆታዊ ዓመፅ ዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ንምድጋፍ ብዝገበረቶ ኣበርክቶ ተዓዋቲት መበል 19 ሽልማት ብሬመን ሶሊዳሪቲ ኣዋርድ 2025 ኮይና።

ብሬመን ሶሊዳሪቲ ኣዋርድ፡ ኣብ ክልተ ዓመት ሓደ ግዘ ብሰኔት ከተማ ብሬመን ዝዳሎን ኣብ ምቅላስ ኢ-ፍትሓውነት፣ ዘርኣውነትን በሰላታት ባዕዳዊ መግዛእትን ንዝሰርሑን ኣብ ምርግጋፅ ዴሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን ኣበርክቶ ንዘዕረፉን ትካላት ኮነ ውልቀ ሰባት ዝዋሃብ እዩ።

መስራቲት ትካል ገባሪ ሰናይ ሕውየት ዝኾነት መሰረት ሓዱሽ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ከቢድ ኩናት ስዒቡ ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ዝሓውያሉ ትካል ብምኽፋት፣ ሓገዝ ብምቕራብ፣ መረዳእታ ብምስናድን ድምፂ ብምዃንን ዝገበረቶ ኣበርክቶ ነዚ ሽልማት ከም ዘብቅዓ ኣዳለውቲ እቲ ሽልማት ኣፍሊጦም።

ኣብ እዋን ኩናት ትግራይ ዓመፅ ደቂ ኣንስትዮ ከም መሳርሒ ኩናት ምጥቃምን ጅምላዊ ምግሳስን ከም ዝነበረ ዝገለፁ እቶም ኣዳለውቲ ተዓዋቲት እቲ ሽልማት ዝኾነት መሰረት ሓድሽ ነተን ደቂ ኣንስትዮ ውሕስ ቦታ ብምድላው፣ ስነ – ልቦናዊ ሓገዝ ብምግባርን ቁጠባዊ ዓቕመን ክጉልብት ርኡይ ኣበርክቶ ከም ዝነበራ ኣረዲኦም።

ኣብ 1988 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ፡ ነበር ፕረዚደነት ደቡብ ኣፍሪካ ነፍሲሄር ኔልሰን ማንዴላን በዓልቲ ቤቶም ዊኒ ማንዴላን ስርዓት ኣፓርታይድ ኣብ ምቅላስ ብዝነበሮም ኣበርክቶ ፈላሞት ተሸለምቲ ብሬመን ሶሊዳሪቲ ኣዋርድ ኔሮም ክብል ዕላዊ ዌብሳይት ጀርመናዊት ከተማ ብሬመን ፀብፂቡ።

#ሰምሃል_መኮነን