Home ዜና ካውንስል ማንፋክቸሪንግ ኢንዳስትሪ ትግራይ ተጣዪሹ።

ካውንስል ማንፋክቸሪንግ ኢንዳስትሪ ትግራይ ተጣዪሹ።

56

መቐለ፥ መስከረም 20/2018 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)

እቲ ካውንስል ብፕረዚደንት ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝምራሕ ኾይኑ 21 ኣባላት ዘለዉዎን ኣብ ትሕቲኡ ብርክት ዝበሉ ሴክተራት ዘካትትን ከም ዝኾነ ተገሊፁ።

ኣገዳስነት ምጥያሽ ካውንስል ማንፋክቸሪንግ ኢንዳስትሪ ፀገማት ተሓባቢርካ ብምፍታሕ ለውጢ ንምምፃእ እዩ ዝበሉ ፕረዝዳንት ታደሰ፣ ኣብ ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ትግራይ ዝህልዎ ግደ ዕዙዝ ብምዃኑ መንግስቲ ብትዅረት ከምዝሪኦ ኣገንዚቦም።

ማንፋክቸሪንግ ኢንዳስትሪ ትግራይ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ዝተፈላለየ ናይ ኵሉ ኣመራርሓ ፈፃሚ ኣካልን መዳርግቲ ትካላትን ጠመተ ከም ዝጠልብ ሓላፊት ቢሮ ኢንዳስትሪ ትግራይ ወይዘሮ ኣልማዝ ገብረፃድቅ ገሊፀን።

ዋና ዋና ማሕንቖታት ማንፋክቸሪንግ ኢንዳስትሪ ትግራይ፣ ኣቕርቦት እታወታትን ግልጋሎት ጉምሩክን፥ ምንኣስ ፋይናንስን ሸርፊ ወፃኢን፥ ኣቕርቦት መሬት፥ ኣቕርቦት ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብን መፍረያይነትን፥ ፀገማት መሰረተ ልምዓትን ከም ዝኾኑ ዝሓበራ እተን ሓላፊት፣ ነዞም ማሕንቖታት ንምፍታሕ ከም ዝሰርሕ ገሊፀን።

እቲ ካውንስል ኣብ ትሕቲኡ ዘለዋ ውዳበታት እናገምገመ፣ “ትግራይ ተምርት” ዝብል ምንቕናቕ መፍረይቲ ኢንዳስትሪ ኣካል መሳለጢ ማሕበረ ቁጠባዊ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ገይሩ ብምጥቃምን ምምራሕን ናብ ምሉእ ስራሕ ዘይኣተወ ማሽነሪን ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብን ብቕልጡፍ ናብ ስራሕ ንምእታው ከም ዝሰርሕ ገሊፀን።

መፍረይቲ ትካላት ካብ ኣተሓሳስባን ተግባርን ፅግዕተኛነትን ክራይ ኣካብነትን ተናጊፈን ብፅሬት ምህርቲ፥ ብጊዜን ዋጋን ተወዳደርቲን ዘመናዊ ኣመራርሓን ቴክኖሎጂን ዝጥቀሙ ክኾኑ ፃዕሪ ምግባርን ምድጋፍን እውን ብሓላፊነት ከም ዝሰርሕ ገሊፀን።

ንምህዞን ዓበይቲ ዓቕሚ ትካላትን ሽግግር ቴክኖሎጂን ከምኡ እውን ብመናእሰይ፥ ደቂ ኣንስትዮን ጕዱኣት ኣካልን ዝንቀሳቐሱ ትካላት ኢንዳስትሪ ፍሉይ ቖላሕታ ከም ዝሰርሕ እውን ወይዘሮ ኣልማዝ ኣብሪሀን።

ኣብቲ መድረኽ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ዝተረኸቡ ኾይኖም መዛተዪ ፅሑፋት ቀሪቦም ተዘትዩሎም።

#ቶማስ_ሓዱሽ