Home ዓለምለኻዊ ዜና ብኣዳለውነት ኣሜሪካ ዝቐረበ እማመ ሰላም ብእስራኤል ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ሮይተርስ ፀብፂቡ።

ብኣዳለውነት ኣሜሪካ ዝቐረበ እማመ ሰላም ብእስራኤል ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ሮይተርስ ፀብፂቡ።

46

መቐለ፥መስከረም 20/2018 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝዘለቐ ኲናት እስራኤልን ሓማስን ብሰላማዊ መንገዲ ንምውዳእ ዝቐረበ 20 ነጥብታት ዝሓዘ ረቒቕ እማመ ኣሜራካ ብእስራኤል ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ተሓቢሩ::

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታኒያሁ ምስ ፕረዝዳንት ትራምፕ ብምዃን ኣብ ዝሃብዋ መብርሂ ብኣሜሪካ ዝቐረቡ ነጥብታት ከም ዝስማዕምዕሎም ገሊፆም።

ብሓማስ ዝተጨወዩ ኩሎም ክልቀቑን እስራኤል ተኹሲ ክተቋርፅን ዘገድድ እቲ ብኣሜሪካ ዝቐረበ እማመ ካብ ብዙሓት ሃገራት ኣወንታዊ መልሲ ይረክብ ምህላዉ ተሓቢሩ።

ዛጊድ ዝተጨወዩ ኣካላት ንምርካብ ከም ዝተፀገመን ምስ 2 ሰባት ዝነበሮ ርክብ ኣብዚ ቀረባ እዋን ከም ዝተቓረፀን ዝጠቐሰ ሓማስ ዳሃዮም ንምፍላጥ ተኹሲ ደው ክብል ፃውዒት ኣቕሪቡ::

ብኣሜሪካ ተሓንፂፁ ብእስራኤልን ካልኦት ሃገራት ዓለምን ተቐባልነት ዝረኸበ እማመ ፦ሓማስ ብዘይ ቅድመ ኩነት ክቕበሎ ዘጠንቀቁ ፕረዝዳንት ትራምፕ በቲ እማመ ክስማዕማዕ እንተዘይክኢሉ ግን ሃገሮም ንስጉምቲታት እስራኤል ከምእትድግፈ ምግላፆም ሮይተርስ ፀብፂቡ::