Home ስፖርት ኣብ ኣፍሪካ ሃገረ ርዋንዳ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮና ብሽክሌተኛ ዓለም 2025...

ኣብ ኣፍሪካ ሃገረ ርዋንዳ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮና ብሽክሌተኛ ዓለም 2025 ንሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ብምውካል ብሉፅ ውፅኢት ዘመዝገቡ ተጋሩ ብሽክሌተኛታት ከተማ መቐለ ኣትዮም።

253

መቐለ፥መስከረም 22/2018ዓ/ም(ቴሌቪዥን ትግራይ)

ኣብ ኣህጉርና ኣፍሪካ ሃገረ ርዋንዳ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮና ብሽክሌተኛ ዓለም 2025 ንሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ብምውካል ብሉፅ ውፅኢት ዘመዝገቡ ተጋሩ ብሽክሌተኛታት ኣብ መዕረፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ምስ በፅሑ ድሙቕ ኣቀባብላ ተጌርሎም ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ኣቀባብላ ተወዳደርቲ ኣሰልጠንትን ኣመራርሓ ፌደሬሽን ብሽክሌታ ትግራይ ፣ ኣመራርሓ ኮሚቴ ብሽክሌታ ከተማ ዓድግራትን ከምኡ እውን ኣመራርሓ እተን ጋንታታትን መፍቀርቲ ብሽክሌታን ማሕበር ሰብ ሞያ ብሽክሌተኛታት ትግራይን ተረኺቦም እዮም ።

ኣብቲ ኣብ ኣፍሪካ ንፈለማ ግዘ ኣብ ሩዋንዳ ዝካየድ ኣብ ዘሎ ሻምፕዮና ብሽክሌታ ዓለም ተቐዳደምቲ ብሽክሌታ ፅጌ ካሕሳይ ፣ ራሄል ታመነ ፣ እየሩ ሃፍቱ ፣ ብርሃን ፍቃዱ ፣ ሰርካለም ታየ ፣ ብዛየሁ ተስፍኡ፣ ተኽለ ፀጋይ ፣ ገ/መድህን ገ/ሄርን ሰመረ ወልዳይን ተሳቲፎም እዮም።

#ፅጋቡ ዘፈሩ