መቐለ፥መስከረም 22/2018 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ፕሮጀክት ልምዓት ሴፍቲ ኔት ብ25 ሚልዮን ብር ወፃኢ ዝሃነፆም ሓሙሽተ መምሀሪ ክፍሊታት ብዕሊ ተመሪቖም።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ምክትል ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ፥ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ከቢድ ዕንወት ከምዝበፀሐን ብምግላፅ ዓውዲ ትምህርቲ ንክሓዊ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ኣካላት ክረባረቡ ይግባእ ኢሎም።



ኣመሓዳሪ ክፍለ ከተማ ሰሜን ኣይተ ሙሉጌታ ገብሩ ብወገኖም ህንፀት ናይቶም ንልዕሊ 600 ሚእቲ ተምሃሮ ግልጋሎት ክህቡ ዝኽእሉ ክፍሊታት ኣብ ቤት ትምህርቲ መለስ ዝነበረ ፀገም መምሀሪ ንምላቅላል ዝሕግዝ ምዃኑ ኣብሪሆም።
ብስእነት መምሀሪ ክፍሊ ምኽንያት ተምሃሮ ተፀቓቒጦም ይምሃሩ ምንባሮምን ዝተወሰኹ ክፍልታት ዝሐሸ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንክህሉ ከምዝሕግዙን መምህራንን ወለዲ ተምሃሮን ተዛሪቦም።



