Home ቢዝነስ መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጂነሪንግ ሓዱሽ ስምን ኣርማን ዕላዊ ገይሩ።

መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጂነሪንግ ሓዱሽ ስምን ኣርማን ዕላዊ ገይሩ።

42

መቐለ፥ መስከረም 22/2018 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)

እቲ “ኣሰር ፅንዓት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሓዱሽ ስምን ኣርማን ብፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ዕላዊ ተገይሩ።

መስፍን ኢንዱስትሪያል ኢንጅነሪንግ ዝነበረ ሕዚ ሽዱሽተ ኢንዳስትሪ ዝሓቖፈ ኮርፖሬት ኮይኑ፥ “መስፍን ሓፂነ መፂን ኢንጅነሪንግ” (Mesfin Metals & Engineering (MESFIN)) ብዝብል ስያመ ተወዲቡ ኣሎ።

ኣካያዲ ስራሕ መስፍን ሓፂነ መፂን ኢንጅነሪንግ ኢንጅነር ተሰማ ግደይ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ዕላዊነት ብራንድ ንዝሓለፈ ሓደ ዓመት ስትራተጂካዊ ስራሕቲ ክስረሐሉ ምፅንሑ ገሊፆም።

እዚ ሓዱሽ ለውጢ ሃገራውን ዓለም ለኻውን ወድዓዊ ኩነታት ብምፅናዕን ብምግምጋምን ከምኡ እውን ሕርያ ዓማዊልን ዕዳጋን መሰረት ዝገበረ ከምዝኾነ ኣረዲኦም። ተዘካራይነትን ጉዕዞ ሓበራዊ ዕብየትን ዘበስር ምዃኑ እውን ሓቢሮም።

መስፍን ዓቕሙ ብምስፋሕን ሓዱሽ ቴክኖሎጂታት ብምጥቃምን ማእኸል ልህቀት ኢንዳስትሪ ትግራይን ኢትዮጵያን ኮይኑ ከም ዝቕፅል ድማ ተገሊፁ።

ኢኮኖሚያዊ ዓርሰ ምርኮሳ ንምዕባይ ቃል ዝኣተዉ ኢንጅነር ተሰማ፥ ብሩህ መፃኢ ኢንዳስትሪታት ዝፍጠረሉ ዓቕሚ ንምግሃድ ከም ዝሰርሑ ገሊፆም።

#ይብራህ_እምባየ