Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ዓመታዊ በጀት ከተማ ሽረ-እንዳስላሴ 2 ነጥቢ 3 ቢሊዮን ብር ኮይኑ ፀዲቑ።

ዓመታዊ በጀት ከተማ ሽረ-እንዳስላሴ 2 ነጥቢ 3 ቢሊዮን ብር ኮይኑ ፀዲቑ።

41

መቐለ፥ መስከረም 23/2018 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ቤት ምኽሪ ከተማ ሽረ-እንዳስላሴ፥ ዓመታዊ በጀት 2018 ዓ.ም. እታ ከተማ 2 ነጥቢ 3 ቢሊዮን ብር ክኸውን ኣፅዲቑ።

እቲ ቤት ምኽሪ ነዙይ ዘፅደቐ 3ይ ዘመን መበል 42 ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ እታ ከተማ ኣብ ዝተሳለጠሉ እዋን እዩ።

ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ሕሉፍ ዓመት ስራሕቲ እታ ከተማ ዘቕረቡ ከንቲባ እታ ከተማ ኣይተ ገብረመድህን ዮሃንስ ካብ ክልል ዝድጎም 350 ሚልዮን ብር፣ 1 ነጥቢ 5 ቢልዮን ብር ድማ ካብ ቤት መዛገጃ እታ ከተማን ካልኦት ፍልፍላት እቶትን ብምጥቃም ሕቶ ማሕበረሰብ ንምምላስ ክስራሕ እዩ ኢሎም።

ብፍላይ ዘይተመልኡ ኣስፓልቲ፣ ንፃፍ ፅሩብ እምንን ካልኦት መሰረተ-ልምዓታት ንምዝዛም ብትኹረት ከምዝስራሕ ተዛሪቦም።

አፈ-ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ወይዘሮ መኣዛ ገብረ እቲ ቤት ምኽሪ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕቲ 2017 ዓ.ም. ብጥልቀት ገምጊሙ ዝሓሹ ኣፈፃፅማ ዝነበሮም ቀፃልነት ክህልዎም፤ ድኽመት ዝነበሮም ድማ ዘድሊ እርማትን መምሃሪ ስጉምትን ብምውሳድ ቀፃሊ ዓመት ሕብረተሰብ ዝዓግበሎም ስራሕቲ ንምስራሕ ዘኽእል ምርድዳእ ኸምዝተገብረ ተዛሪበን።

ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ብግዲኦም፤

ዝተሰልዐ በጀት ህዝቢ ኣብ መዓልኡ ንኽውዕልን ጠለባት ዝወከሎም ሕዝቢ ንኽማልኡ በርቲዖም ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ምምሕዳር መሬትን ካዳስተርን ንዝነበሩ ኣመራርሓ ብምውራድ ብኻልእ ብምቕያርን ምክትል ኣፈ-ጉባኤ ብምሻምን ውዕልኡ ዛዚሙ።

#መለስ_ኣባዲ