መቐለ፥መስከረም27/2018 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ባንኪ ወጋገን ኣብ 2024/2025 13 ነጥቢ 5 ቢልዮን ብር ጠቅላላ አቶት ብምእካብ ኣብ ታሪኹ ዝላዓለ ኣታዊ ከም ዝረኸበ የሳልጦ ኣብ ዘሎ መበል 32 ስሩዕ ጉባኤኡ ኣፍሊጡ።
ኣቦ መንበር ቦርድ እቲ ባንኪ ኣይተ ዓብዲሹ ሁሴን ኣብ በጀት ዓመት 2024/25 ባንኪ ወጋገን ዝረኸቦ እቶት ምስ ዝሓለፈ በጀት ዓመት እንትነፃፀር ብ38 ሚኢታዊ ወሰኽ ከምዘርኣየ ብምግላፅ ካብዚ ብዝሓለፈ ድማ ኣቦ መንበር ቦርድ ኣታዊታት ሓደ ኣክስዮን ናብ 46 ነጥቢ 10 ሚኢታዊ ከምዝዓበየ ኣፍሊጦም።
እቲ ባንኪ ቅድሚ ግብሪ 3 ነጥቢ 85 ቢልዮን ብር መኽሰብ ከምዘመዝገበን እዚ ድማ ምስ ናይ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር ብ73 ሚኢታዊ ወሰኽ ከምዘርኣየ ገሊፆም።
እቲ ባንኪ ዝኽፈል ካፒታል ካብ ዓመት ናብ ዓመት ብ37 ሚኢታዊ ወሲኹ ኣብ መወዳእታ በጀት ዓመት 7 ቢልዮን ብር ከምዝበፅሐን እዚ ድማ ልዕሊ እቲ ብሔራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዘቐመጦ ዝተሓተ ዝተኸፈለ ካፒታል ምዃኑ ዝገለፁ ኣይተ ዓብዲሹ ዝተኸፈለ ካፒታል እቲ ባንኪ ድማ ናብ ብር 20 ቢልዮን ሓፍ ክብል ውሳነ ከም ዝተዋሃበ እውን ገሊፆም።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ባንኪ ወጋገን ኣኽሊሉ ውበት (ዶ.ር) ብወገኑ፥ እቲ ባንኪ ኣብዚ በጀት ዓመት ምስ ዓለም ለኻዊ ትካላት ስትራቴጂካዊ ሽርክነት ከምዝመስረተ ገሊፆም።ባንኪ ወጋገን ክሳብ 30 ሰነ 2025 ዓ/ም ኣብ መላእ ሃገር ብዘለዎ 455 ጨናፍር ኣቢሉ ስሩዕን ካብ ወለድ ነፃን ግልጋሎት ይህብ ኣሎ።ንዝያዳ ድሌት ዓማዊል ንምምላእ ድማ ኢንተርኔት ባንኪንግ፤ ሞባይል ባንኪንግ፣ ካርድ ባንኪንግን ወኪል ባንኪንግን ብ398 ኤቲኤም፣ 467 ናይ ክፍሊት ማሽናትን 1,716 ወኪል ባንክታት ኔትወርክን ኣገልግሎት ከም ዝህብ እውን እቲ ባንኪ አፍሊጡ።
#ክብሮም_ሰለሞን