Home ዜና ኣብ ከተማ መቐለ ንሸሞንተ ዓመት ከይለምዐ ዝፀንሐ 114 ሄክታር መሬት ናብ ባንኪ...

ኣብ ከተማ መቐለ ንሸሞንተ ዓመት ከይለምዐ ዝፀንሐ 114 ሄክታር መሬት ናብ ባንኪ መሬት ኣታዊ ተገይሩ።

46

መቐለ፥ መስከረም 28/2018 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ምምሕዳር ከተማ መቐለ ንሸሞንተ ዓመት ከይለምዐ ዝፀንሐ 114 ነጥቢ 88 ሄክታር መሬት ንባንኪ መሬት ኣታዊ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።

ኣብ 2010 ዓ.ም. ንሰብ ሃፍቲ ብኢንቨስትመንት ክለምዕ ውዕሊ ተፈሪሙ ዝተውሃበ መሬት ዛጊድ ብዘይምልምዑ ካብ ሰብ ሃፍቲ ተመንጢሉ ናብ ባንኪ መሬት ኣታዊ ተገይሩ።

ኣብ ክፍለ ከተማ ዓይደር ፋብሪካ ቬሎሲቲ ዝሓዞ 76 ሄክታር መሬት፣ ኣብ ክፍለ ከተማ ኲሓ ድማ ንፋብሪካ ብልዒ ዘይቲ ዊልማር ተዋሂቡ ዝፀንሐ 38 ሄክታር ብድምር 114 ሄክታር መሬት ተመሊሱ ናብ ባንኪ መሬት ኣታዊ ከም ዝተገበረ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኣጠቓቕማን ምሕደራን መሬት ከተማ መቐለ ኣይተ ዘርኡ ተወልደ ብርሃን ሓቢሮም።

እቶም ሰብ ሃፍቲ ናብ ልምዓት ክኣትዉ ብተደጋጋሚ ደብዳበ ከምዝተውሃቦም ዝገለፁ ኣይተ ዘርኡ ተወልደ ብርሃን፤ እቲ ዝተወሰደ ስጉምቲ ብመሰረት ሕጊ ምሕደራ መሬት ሓደ ኢንቨስተር ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ሰረት ወይ ድማ ምልማዕ ብዘይምጅማሩ ዝውሃብ ሕጋዊ ስጉምቲ እዩ ኢሎም።

ኣብ ከተማ መቐለ ልዕሊ 500 ሰብ ሃፍቲ ንኢንቨስትመንት ዝኸውን ቦታ ከምዝተውሃቦም ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፤ ክሳብ ሕዚ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ልምዓት ዝርከቡ ከባቢ ሓደ ሚእቲ ጥራሕ ምዃኖም ኣመላኺቶም።

ነዚ ድማ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣብ ከይዲ ምፅራይን ምፅፋፍን ከምዘሎ ብምሕባር ብቐፃሊ ኣብ ዘፅነዖም ልዕሊ 83 መሬት ሒዞም ዘየልምዑ ሰብ ሃፍቲ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣረዲኦም።

ስለዝኾነ ድማ መሬት ህዝብን መንግስትን ሒዞም ናብ ስራሕ ዘይኣተዉ ሰብ ሃፍቲ ናብ ልምዓት ክኣትዉን ኣብ ሕውየት ትግራይ እጃሞም ክፍፅሙን ኣይተ ዘርኡ ተወልደ ብርሃን ኣተሓሳሲቦም።

#ገነት_ካሕሳይ