መቐለ፥ ጥቅምቲ 03/2018 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ኣቑሑት ቻይና 100 ሚእታዊት ታሪፍ እንተወሲኾም ኣብ ልዕሊ ምህርቲታት ኣሜሪካ ከቢድ ሕነ ምፍዳይ ከም እትፍፅም ቻይና ኣፍሊጣ።
ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ምህርቲታት ቻይና ብሰንኪ ዘንበረቶ ቀረፅ፥ ቻይና ናብ ኣሜሪካ ትልእኾ መጠን ንግዲ በብዓመቱ ብ27 ሚኢታዊ ምንካይ ከም ዘርኣየ ዝገለፀ ትካል ጉምሩክ ቻይና መጠን ንግዲ ቻይናን ኣሜሪካን 32 ቢልዮን ዶላር ከም ዝበፅሐ ምርግጋፁ ዋሺንግቶን ፖስት ፀብፂቡ፡፡
ኣሜሪካ ኣብ ኩሎም ምህርቲታት ቻይና ዘንበረቶ ድምር ታሪፍ ልዕሊ 57 ሚኢታዊ እንትኾን፥ ቻይና ኣብ ኣቑሑት ኣሜሪካ 33 ሚኢታዊ ከም ዘይመልእ ዘፍለጠት ቻይና፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብፕረዝዳንት ቀሪቡ ዘሎ 100 ሚኢታዊ ወሰኽ ታሪፍ፥ ኣብ መንጎ ክልቲአን ወነንቲ ልዑል ቁጠባ ሃገራት ኲናት ንግዲ ክለዓል ዝደፍእ ምዃኑ ሚኒስቴር ንግዲ ቻይና ኣፍሊጡ፡፡
ምህርቲታት ቻይና ብኣሜሪካ ንዝተነበረሎም ቀረፅ ተፃዊሮም ኣብ ኣሜሪካ 8 ሚኢታዊ ወሰኽ መሸጣ ከምዘርኣዩ ዝሓበረ ሚኒስትሪ ንግዲ ቻይና፥ ዝተመዝገበ ውፅኢት ናብ ታይዋን ፅዕነት ብምውሳኽ ብዝተርኣየ ብልሒ ምዃኑ ምግላፆም ፀብፃብ ዋሺንግቶን ፖስት የማላኽት፡፡
ምምሕዳር ትራምፕ ጠለብ ልዕሊ ምህርቲታት ቻይና ሒዝዎ ዘሎ መርገፂ ግጉይ ምዃኑ ዘብረሀት ቻይና፥ ካብ ተግባሩ ዘይዕቀብ እንተኾይኑ ስጉምቲ ቻይና ዝኸፍአ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣጠንቂቓ።
ሚኒስተራት ንግዲ ክልቲአን ሃገራት አብ ዝሓለፉ 20 መዓልታት ኣብ ስፐይን ውፅኢታዊ ዘተ ከም ዘካየዱ ዝጠቐሱ ሚኒስተር ንግዲ ቻይና፥ በብእዋኑ ዝለዋወጥ ፖሊሲ ንግዲ ኣሜሪካ ሕማም ርእሲ ኮይኑ ምህላዉ ኣብሪሆም።
ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ቻይና ሒዛቶ ዘላ ፖሊሲ ንግዲ ረብሓታት ቻይና ዝጎድእ፣ ኩባኒያታት ቻይና ዘድቅቕን ውድድር ንግዲ ዝጎድእን ምዃኑ ዘብረሀ ሚኒስተር ንግዲ ቻይና፥ ሃገሮም ኸምዙይ ዓይነት ፀቕጢ ከምዘይትቕበልን ሕነ ንምፍዳይ ከም እትግደድን ምግላፆም ፀብፃብ ዋሺንግተን ፖስት ገሊፁ።
#ገ/ሄር_ሃይሉ



