Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ኣብ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ ዝተሃንፀ ብፀሓይ ብርሃን ዝሰርሕ ፕሮጀክት መስተ ማይ ተመሪቑ።

ኣብ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ ዝተሃንፀ ብፀሓይ ብርሃን ዝሰርሕ ፕሮጀክት መስተ ማይ ተመሪቑ።

83

መቐለ፥ ጥቅምቲ 11/2018 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ብምትሕብባር ቢሮ ማይን ኢነርጅን ትግራይን ትካል መድሕን ህፃናት ዩኒሴፍን ካብ መንግስቲ ዴንማርክ ብዝተረኸበ 76 ሚልዮን ብር ሓገዝ ኣብ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ ዝተሃነፀ ብፀሓይ ብርሃን ዝሰርሕ ፕሮጀክት መስተ ማይ ተመሪቑ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምርቓ ዝተረኸቡ ሓላፊ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ትግራይ ኣይተ ተኽላይ ገብረመድህን፥ ኣብ ትግራይ ብሓይሊ ፀሓይ ዝሰርሑ ፕሮጀክትታ ንምትእትታው ይስራሕ ከም ዘሎ ገሊፆም።

እቲ ዝተመረቐ ፕሮጀክት መስተ ማይ ኣብ ትግራይ ካብ ዝተኣታተዉ ብፀሓይ ዝሰርሑ ፕሮጀክታት እቲ ዝዓበየ ምዃኑ ድማ ገሊፆም።

ብምኽንያት ኲናት ናብ 15 ምኢታዊ ወሪዱ ዝነበረ ሽፋን መስተ ማይ ትግራይ፥ ሕዚ ናብ 40 ምኢታዊ ክብ ከም ዝበለ እቶም ሓላፊ ገሊፆም።

ትካል መድሕን ህፃናት፥ ሽፋን ማይ ትግራይ ንክዓብይ ዝገብሮም ንዘሎ ስራሕቲ ድማ ኣመስጊኖም።

ተወካሊት ዩኒሴፍ ሚስ ማርኮ ካጎሽማ፥ ኣዴታት እቲ ከባቢ ማይ ንምርካብ ዝኸድኦ ዝነበራ ገልታዕታዕን ዘጋጥምወን ፀገማትን ካብ ምቕራፍ ብዝዘለለ ቑጠባዊ ፀገም እዚ ከባቢ ኣብ ምፍታሕ ልዑል እጃም ኣለዎ ኢለን።

እቲ ሎሚ ዝተመረቐ ፕሮጀክት መስተ ማይ ብመዓልቲ ንሸምንተ ሰዓታት ግልጋሎት ከም ዝህብን ንልዕሊ 30 ሽሕ ሕብረተሰብ ተጠቃሚ ከምዝገብር ድማ ኣብቲ እዋን ተሓቢሩ።

#ገነት_ካሕሳይ