Home ስፖርት ትግራይ ብዉድድር ብሽክሌታ ክሮኖሜትሮ ጋንታ ደቂ ተባዕትዮ ሜዳሊያ ወርቂ ተዓዊታ።

ትግራይ ብዉድድር ብሽክሌታ ክሮኖሜትሮ ጋንታ ደቂ ተባዕትዮ ሜዳሊያ ወርቂ ተዓዊታ።

50

ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝተኻየደ 30 ኪሎሜትሮ ርሕቐት ዝሸፈነ ጋንታ ክሮኖሜትር ደቂ ተባዕትዮ ትግራይ ሜዳልያ ወርቂ ተዓዊታ ኦሮምያ ን ኣዲስ ኣበባን ድማ ሜዳልያ ብሩርን ነሓስን ተዓዊተን።

ብተመሳሳሊ ዉድድር ብደቂ ኣንስትዮ 20 ኪሎሜትሮ ድሚ ኦ ሮምያ ወርቂ ፣ ትግራይ ብሩር ፣ ኣዲስ ኣበባ ድማ ነሓስ ረኺበን።

ብኩዕሶ ሰክዔት ደቂ ኣንስትዮ 3×3(ፍርቂ ሜዳ) ምስ ሲዳማ 3 ን 1 ትግራይ ስዒራ ፣ ምሉእ ፀወታ ምስ አዲስ አበባ ድማ ኣዲስ ኣበባ 47 ትግራይ 19 ብዝኾነ ዉፅኢት እኳ ተተዛዘመ ትግራይ ብዕድመ ግቡእነት ኣቕሪባ ኣብ ክሲ ዘሎ ፀወታ እዩ።

ብዉድድር ስፖርት ዳርት ስፖርተኛታትት ትግራይ ብንፅል ብኽልቲኡ ፆታ ናብ ዋንጫ ሓሊፎም።

#ያሬድ ገ/ሄር