Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ብሰንኪ ፅንተታዊ ኲናት 14 ሽሕ መምህራን ናብ ቤት ትምህርቲ ከይተመለሱ ከምዝተረፉ ተረጋጊፁ።

ብሰንኪ ፅንተታዊ ኲናት 14 ሽሕ መምህራን ናብ ቤት ትምህርቲ ከይተመለሱ ከምዝተረፉ ተረጋጊፁ።

82

ኮሚሽን መፅናዕቲ ጄኖሳይድ ትግራይ ብሰንኪ ፅንተታዊ ኲናት ኣብ ዓውዲ ማሕበራዊ ዝበፅሖ ዕንወትን ኪሳራን ዝድህስስ ሰነድ ዕላዊ ገይሩ’ሎ።

እቲ ሰነድ፥ ዓውዲ ዓውዲ ትምህርቲ ትግራንይ ኣብ ዘፈራት ማሕበራዊ ካብ ዝበፅሐ ዕንወት ዝዓበየ ብፅሒት ከምዝወስድ የመላኽት።

ከም ርካቦት እቲ መፅናዕቲ ኣብ ዘፈር ማሕበራዊ ካብ ዘጋጠመ ናይ 10 ነጥቢ 86 ቢልየን ዶላር ዕንወትን ኪሳራን ፤ እቲ 5 ነጥቢ 38 ቢልየን ዶላር ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ዝበፅሐ እዩ።

እቲ ገዛንገዛ ብምዝውዋርን ምስ ትካላት ትምህርቲ ብምርኻብን ዝተገበረ ዳህሳስ፥ ሰብ ሞያ ትምህርቲ በቲ ዘጋጠመ ኣዕናዊ ኵናት ኣደዳ ሞትን መጉዳእትን ከምዝኾኑን 14 ሽሕ መምህራን ናብ ቤት ትምህርቲ ከይተመለሱ ምትራፎምን ይጠቅስ።

ትግራይ ኣብ ቅድመ ኵናት ሽቶታት ልምዓት ሚሌንየም ክተዐውት ተቐራሪባ ምንባራ ዘዘኻኸረ እቲ መፅናዕቲ፥ ፀጋታት ትምህርቲ ብሰንኪ እቲ ኵናት ከምዝጠፍኡን ልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ሚልየን ተምሃሮ ካብ ቤት ትምህርቲ ወፃኢ ከምዝኾኑን ኣመላኺቱ።

እቲ ኵናት፥ 18 ነጥቢ 11% ትካላት ትምህርቲ ፈፂመን ካብ ስራሕ ወፃኢ እንትገብር ነተን 47 ነጥቢ 32% ድማ መሰረተ ልምዓተን ብምጉድኡ ብቑዕ ግልጋሎት ክህባ ናብ ዘይክእላሉ ብርኪ ኣውሪዱወን እውን ይብል።

እቲ ሓድሽ ፀብፃብ፥ 34 ነጥቢ 57% ትካላት ትምህርቲ ዋላ’ኳ ዕንወት እንተጋጠመን ብውሱን ዓቕሚ ግልጋሎት ይህባ ምህላወን ይገልፅ።

ትግራይ ናይ ምብራስ ሰይጣናዊ ዕላማ ሒዞም ዝወፈሩ ኣፅነትቲ ንዓውዲ ትምህርቲ ትግራይ ልዑል ሃሰያ ስለ ዘውረዱ ምዝገባ ተምሃሮ ብ80% ሚእታዊ ከምዝነከየ እውን የረድእ።

ብሰንኪ እቲ ዕንወት፥ ፅሬት ትምህርቲ ናብ ሓደጋ ተቓሊዑ ከምዘሎ እቲ ሰነድ ይገልፅ።

ዕላዊ መፅናዕቲ እቲ ኮሚሽን ኩሎም ሰብ ግደ ተረባሪቦም ንዓውዲ ትምህርቲ ትግራይ ከድሕኑ እውን ይፅውዕ።

ነቲ ዕንወትን ጥፍኣትን ብምፍፃም ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ቅደም ሰዓባዊ እጃም ከምዘለዎም እቲ ሰነድ ኣረጋጊፁ።

እቲ ኮምሽን ቅድም ክብል ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ ውፅኢት መፅናዕቲ :- ልዕሊ 152 ሽሕ ኣዋልድን ደቂኣንስትዮን ከምዝተዓመፃን 166 ሽሕ ድማ ግዳያት ፆታዊ መጥቃዕቲ ከምዝኾናን ኣረጋጊፁ እዩ።

#ዲማ_ኣማረ