Home ዜና ውሽጢ ዓዲ መሰላትን ጥቕማቕምን ሰራሕተኛታት ጥዕና ብምሕላው ስርዓት ጥዕና ትግራይ ክጉልብት ማሕበር ሰብ ሞያ...

መሰላትን ጥቕማቕምን ሰራሕተኛታት ጥዕና ብምሕላው ስርዓት ጥዕና ትግራይ ክጉልብት ማሕበር ሰብ ሞያ ጥዕና ትግራይ ፀዊዑ።

76

ማሕበር ሰብ ሞያ ጥዕና ትግራይ “ንመሰል ሰራሕተኛታት ጥዕናን ንዝላ ስርዓት ጥዕናን ትግራይ ንሕበር!” ብዝብል መራሒ ሓሳብ ራብዓይ ጉባኤኡ የካይድ ኣሎ።

ፕረዚደንት እቲ ማሕበር ዶክተር ፍስሃ ኣሸብር፥ እቲ ጉባኤ መሰላትን ጥቕማቕምን ሰራሕተኛታት ጥዕና ብምሕላው ስርዓት ጥዕና ትግራይ ንምጉልባት ዝዓለመ ምዃኑ ኣረዲኦም።

ብቑዕን ሕጉስን በዓል ሞያ ጥዕና ብምፍጣር፥ ጥዑይን ኣፍራዪን ማሕበረሰብ ክህልው፥ ካብኦም ትፅቢት ዝግበር ኣድማዒ ግደ ክፃወቱ ዘኽእል ባይታ ክመዓራረ እቶም ፕረዚደንት ንዝምልከቶም ኣካላት ሓቲቶም።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶክተር ኣማኑኤል ሃይለ፥ ሰብ ሞያ ጥዕና ትግራይ ዘልዐሉዎም ሕቶታት፥ ብተሳትፎ ዝምልከተን ሴክተራትን ካቢኔ ጊዜያዊ ምምሕዳርን ኣንፈታት መፍትሒ ከም ዝተቐመጠሎም ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንተወከልቲ ማሕበራት ሰብ ሞያ ጥዕናን ዝምልከቶም ሓለፍቲን ሰለስተ ጊዜ ረኺቦም ብምምይያጥ ኣንፈታት መፍትሒ ንከቐምጡ ከም ዝገበሩን ብናቶም ፌርማ ወፂኡ እውን ንሴክተራት ከም ዝተውሃበ ዘዘኻሩ ዶክተር ኣማኑኤል፥ ዋላ’ኳ ነዚ ኣንፈት ተኸቲሎም ዝተሰርሑ ስራሕቲ እንተሃለዉ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዘይተወድኡ ዕማማት ከም ዘለዉ ገሊፆም።

ማሕበር ሰብ ሞያ ጥዕና ትግራይ፥ መሰል ሰብ ሞያ ጥዕና ንምኽባር ኣብ ዝገብሩዎ ፃዕሪ ቢሮኦምን ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣብ ጎድኖም ደው ከም ዝብል ዘረጋገፁ ዶክተር ኣማኑኤል፥ ኩሉ ዝግበር ምይይጥ ኮነ ፃዕሪ ድሕንነት ህዝቢ ብዘይትንክፍን ብዘኽብርን፣ ትግራይ ሕዚ ዘላትሉ ኵነታት ኣብ ግምት ብዘእተወን መንገዲ ክኸውን ከም ዝግባእ ኣገንዚቦም።

ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ጀጋኑ ስዉኣት ሰብ ሞያ ጥዕና ሰለስቲኡ ምዕራፍ ዝዝከሩሉ፣ ስራሕቲ ትካላትን ሰብ ሞያን ጥዕና ከምኡ እውን ዘይተመለሱ ሕቶታት ሰብ ሞያ ጥዕና ዝንፀባረቑሉ “ፖስተር ኤግዚቢሽን” እውን ይካየድ ኣሎ።

እቲ ጉባኤ ካብ ሎሚ ዕለት 21 ጥቅምቲ ጀሚሩ ንተኸታተልቲ ክልተ መዓልቲታት ክቕፅል እዩ።

#ቶማስ_ሓዱሽ