ኣብ ኬንያ ሎሚ ሓሙስ ምክያድ ኣብ ዝጀመረ ውድድር ሻምፕዮና ብሽክሌታ ኣፍሪካ 2025 ብውድድር ጁኒየር ደቂ ኣንስትዮ ብሽክሌተኛ ፅገ ካሕሳይ ቀዳመይቲ ብምእታው ሜዳልያ ወርቂ ተዓዊታ።
14 ኪሎሜትሮ ንዉሓት ኣብ ዝነበሮ ዉድድር ጁንየር ዉልቀ ክሮኖሜትር ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ብመንገዲ ፅገ ካሕሳይ ሜዳሊያ ወርቂ ተዓዊታ ኤርትራን ሩዋንዳን ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ረኺበን።
ተቐዳዳሚት ብሽክሌታ ራሄል ታመነ ድማ ራብዓይ ደረጃ ሒዛ ብምዝዛም ዝነኣድ ዉፅኢት ኣመዝጊባ።
ኣብቲ ኣህጉራዊ ዉድድር ብጅንየር ደቂ ኣንስትዮ
ፅጌ ካሕሳይ
ራሄል ታመነ
ቅሳነት ግርማይ
ብኤሊት ደቂ ኣንስትዮ
ብርሃን ፍቓዱ
ሰርካለም ታየ
እየሩ ሃፍቱ
ብጅንየር ደቂ ተባዓትዬ
ሰመረ ወልዳይ
ብኤሊት ደቂ ተባዓትዬ
ብዛየ ተስፉ
ተኽለ ፀጋይ
ገ/መድህን ገ/ሄር ይሳተፉ ኣለዉ።
ተኸስተ ጥላሁን ኣሰልጣኒ ደቂ ኣንስትዮ ሃገራዊት ጋንታ ብሽክሌታ ኢትዮጵያ ፣ መሓሪ ዱሪ ኣሰልጣኒ ደቂ ተባዕትዮ ሃገራዊት ጋንታ ብሽክሌታ ኢትዮጵያ ፣ ዳኒኤል ገ/ኣምላኽ መካኒክ ብሽክሌታ ፣ ሃይለ ምትኩ ድማ ብኮሚሳርነት ኣብቲ ሻምፕዮና ተሳተፍቲ እዮም።
ሻምፕዮና ብሽክሌታ ኣፍሪካ 2025 ሰንበት ሕዳር 14/2018 ዓ.ም መፈፀምታ ክረክብ እዩ።



