Home ዜና ህንፀት ዝዓነው ትካላት ማይ ትግራይ

ህንፀት ዝዓነው ትካላት ማይ ትግራይ

966

ዝዓነው ትካላት ማይ ትግራይ ዳግም ንምህናፅ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ብትኹረት ክሰርሑ  ቢሮ ማይን ኢነርጂን ትግራይ  ፀዊዑ

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝተኻየደ ኵናት ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ጣብያ ሓወልቲ ዝነበራ ትካላት ማይ ምዕናወን ስዒቡ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ንከቢድ ስእነት ቀረብ መስተ ማይን ማይ ወለድ ሕማማትን ተቃሊዖም ከምዝፀነሑ ነበርቲ እታ ጣብያ ይገልፁ፡፡

ቢሮ ማይን ኢነርጂን ትግራይ ምስ ገባሪ ሰናይ ኦክስፋም ብምትሕብባር ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ጣብያ ሓውልቲ ዳግመ ህንፀት ዝተገበረሉ ትካል ማይ ንግልጋሎት በቅዑ፡፡

ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ጣብያ ሓውልቲ ዳግመ ህንፀት ዝተገበረሉ ትካል ማይ ዝተገበረ ዳግመ ህንፀት ማይ እቲ ዝፀነሐ ፀገም ቀረብ መስተ ማይ ንምቅላላ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ብምሕባር እቲ ህንፀት ዝተገበረሉ ትካል ማይ ኣድላዪ ክንክንን ሓለዋን ከምዝገብርሉን እቲ ደገፍ ተጠናኽሩ ክቅፅል ከምዝግባእን እቶም ነበርቲ  ተዛሪቦም፡፡

ብዝተገበረ ዳህሰሳዊ መፅናዕቲ ኣብ ትግራይ ዓብዪ ስእነት ቀረብ መስተ ማይ ከምዘሎ ዝሓበሩ ኣካያዲ ስራሕ ገባሪ ሰናይ ኦክስፋም ጨንፈር ትግራይ ኣይተ ክንፈ ኣብርሃ ብወገኖም እቲ ትካል ዝገብሮ ሓገዝ ቀፃሊ ከምዝኾነን ፀገም ህዝቢ ብቅልጡፍ ክፈታሕ ከምዝግባእን ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝተፈፀመ ወራርን ኵናትን ስዒቡ ኣብ  ትካላት ማይ ከቢድ ዕንወትን ጉሕለትን ከምዝበፀሐ ዝሓበሩ ሓላፊ ቢሮ ማይን ኢነርጂን ትግራይ ኢንጂነር ቴድሮስ ገ/ሄር ዝዓነው ትካላት ማይ ትግራይ ዳግም ንምህናፅ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ብትኹረት ክሰርሑ ይግባእ ኢሎም፡፡

ብታደለ ዳኘው