Home ዜና መግለፂ ሰናይ ትምኒት ፕረዚዳንት ትግራይዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

መግለፂ ሰናይ ትምኒት ፕረዚዳንት ትግራይዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

951

ዝኸበርካ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፣ ንኹሎም ኣብ ቅድሜኻ ዝተገተሩ ማሕለኻታትን ብድሆታትን ብልዑል ጥበብን ብቕዓትን ሰጊርካ፣ ኩሎም ፀላእቲ ትግራይ ኣንፃርካ ዘካየድዎ ወፍሪ ፀለመን ተቓውሞን ኣፍሺልካ፣ ብዘርኣኻዮ ብቑዕ መሪሕነትን ብዘመዝገብካዮም ጭቡጣት ለውጥታትን ዳግም ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኮይንካ ብምምራፅካ፣ ብስም ህዝብን መንግስትን ትግራይ ዝተሰመዐኒ ሓበንን ኩርዓትን እናገለፅኩ፣ እንኳዕ ደስ በለካ፣ ደስ በለና ክብል ይፈቱ።ርሑስ ናይ ስራሕን ዓወትን ግዜ ክኾነልካ ይምነ፣ ህዝብን መንግስትን ትግራይ እውን ኣብ ጎኒኻ ምዃኖም ደጊመ ክገልፀልካ ይፈቱ።