Home ማሕበራዊ ምክልኻል ዓፀባ

ምክልኻል ዓፀባ

1041

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ዕፅዋን ክባን ንምክልካል ኣካል መፍትሒ ፀገም ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ስራሕቲ መስኖ ዘለካ መሬትን ጠብታ ማይን ኣብ ረብሓ ብምውዓል ኣሕምልቲ ገደና ብምልማዕ ኩሉ ክጥቀመሉ ከምዘለዎ ኣብ ልምዓት መስኖ ዝተዋፈሩ ነበርቲ ከተማ መቐለ ኣይተ ገ/ሄርን ኣይተ ሃ/ስላሴ ገ/ትንሳኤን ገሊፆም፡፡

ነዳድን መዳበርያን ብምዕፃው ህዝቢ ትግራይ ከንብርክኽ ዝመፀ ፀላኢ ንምሕፋር ኩሉ ሕብረተሰብ ስራሕቲ መስኖን ዱኽዕን ተጠቂሙ ዘላቶ መሬት ብምልማዕ ኣጋጢሙ ዘሎ ዓፀባ ክከላኸሎ ከምዝግባእ ኣሚኖም ፡፡ ብኲናት ከምበርክኽዎ ዘይከኣሉ ህዝቢ ትግራይ ብጥምየት ክምብርከኹ ላሕ ይብሉ ንዘለዉ ፀላእቲ ሓሳቦምን ተግባሮምን ብምፍሻል መደርበይ ጓሓፍ ዝነበረ ሩባ ገረብ ፀዶ ክለምዕን ብምግባር ሕብረተሰብ ይርበሐሉ ከምዘሎ ነበርቲ ከተማ መቀለ ገሊፆም፡፡

ትግራይ ክትጠፍእን መሊሳ ከይትልዓልን ዝገብርዎ ዘለዉ ተግባርን ድልየትን ፀላእቲ ንምምካት ገጢምና ዘሎ ጥሜትን ዓፀባን ብፅፍርናን ፃዕርናን ብምፍሻል ብብሩህ ተስፋ ዝተኾለዐት ትግራይ ንምፍጣርን ስራሕቲ መስኖ ኣጠናኺርና ክንቅፅል ከም ዝግባእ እቶም ወገናት ሓቢሮም፡፡

ብፋና ሊላይ