Home ዜና ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ከተማ ኣክሱም ብሰንኪ ኵናት ኣብያተ ትምህርቲ ብምዕናወንን ተመዛበልቲ ናብ...

ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ከተማ ኣክሱም ብሰንኪ ኵናት ኣብያተ ትምህርቲ ብምዕናወንን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ብዘይ ምምላሶምን ከቢድ ስእነት ናዊቲ ትምህርቲን መምሀሪ ክፍሊን ከምዘጋጠሞ ገሊፁ፡፡

624

ተምሃሪት ኣርያም ኣሰፋን ተምሃራይ ኤልያስ ፍስሃፅዮንን ኣብ ከተማ ኣክሱም ምሉእ ቐዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ወይዘሮ ጣጡስ ተምሃሮ 8ይ ክፍሊ እዮም፡፡ እዞም ተምሃሮ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝተፈፀመ ጀኖሳይዳዊ ኵናት ካብ ትምህርቶምን ዕላማኦምን ተዓናቒፎም ግዳይ ስነ-ልቦናዊ ማህሰይቲ ኮይኖም ከምዝፀነሑ ይዛረቡ፡፡

እዞም ተምሃሮ ኣብዚ ሐዚ እዋን ተጀሚሩ ብዘሎ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንሰለስተ ዓመታት ዝተቋረፀ ትምህርቶም ብምቕፃል ተማሂህሮም ህዝቦምን ዓዶምን ንምግልጋል ልዑል ተበግሶ እንተሃለዎም ከቢድ ስእነት ናውቲ ትምህርቲን መምሀሪ ክፍሊን ከምዘጋጠሞም ብምግላፅ ዝምልከቶም ኣካላት ነቲ ዘሎ ፀገም መፍትሒ  ክገብርሉ ከምዝግባእ ድማ ይፅውዑ፡፡

መማህራን ምሉእ ቐዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ወይዘሮ ጣጡስ ኣክሱም ዝኾኑ መምህር ኣልማዝ ተገኝን መምህር ኣለማዮህ ዮሃንስን ብወገኖም ኣብታ ቤት ትምህረቲ መምሀሪ ዝኾውን ናውቲ ትምህርቲ ኮነ መምሀሪ ክፍሊ ብዘይ ምህላው ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዓብዪ ፈተና ከምዝኾነ ብምግላፅ እቲ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ናይ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ህፁፅ ተሳትፎ ዝጠልብ ከምዝኾነ ኣብሪሆም ፡፡

ብሰንኪ ዘጋጠመ ዕንወትን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ብዘይ ምምላሶምን ስሩዕ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንምሃብ ኣፀጋሚ ከምዝኾነ ዝገለፃ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ከተማ ኣክሱም መምህር ፀጋ ገ/መስቀል ብግደኣን ህፃናት ትግራይ ትምህርቲ ዝምሃረሉ ዕድል ንምፍጣር ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኮነ ሚኒስተር ትምህርቲ ፌደራል ብትኹረት ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣገንዚበን፡፡

#ብታደለ ዳኘው