Home ዜና ብሰንኪ ክልኸላ ነዳዲ ሰብኣዊ ሓገዝ ምክፍፋል ኣይከኣልኩን ኢሉ ትካል ምግቢ ዓለም፡፡

ብሰንኪ ክልኸላ ነዳዲ ሰብኣዊ ሓገዝ ምክፍፋል ኣይከኣልኩን ኢሉ ትካል ምግቢ ዓለም፡፡

1082

ትካል ምግቢ ዓለም ኣብ ኢደይ ዝኣተወ ሰብኣዊ ሓገዝ ብሰንኪ ክልኸላ ነዳዲ ናብ መላእ ትግራይ ከባፅሕ ኣይከኣልኩን እንትብል ብሰንኪ እዙይ 20% ህፃናት ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት፣ ጡኑስትን መጥበውትን ንሕፅረት ዝተመጣጠነ ምግቢ ከምዝተቃልዑ ገሊፁ፡፡

ተመዛበልቲ እውን ምስ ዘጋጥሞም ፀገም ትሕቲ 50% ዝተመጣጠነ ምግቢ እዮም ዝረኽቡ ዘለው ክብል ገሊፁ፡፡ ብምኽንያት እዙይ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ይቃልዑ ከምዘለው እቲ ትካል ሓቢሩ፡፡

ትካል ምግቢ ዓለም ንዝቅፅሉ ሽድሽተ ኣዋርሕ እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ንምቅፃል ትልሚ ዋላ እንተሃለዎ ቡዙሓት ዕንቅፋታት ይገጥምዎ ከምዘለው ገሊፁ፡፡ እቲ ትካል ከምዝገለፆ ኣብታ ሃገር ኲናት፣ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር፣ ድርቅን ሕፅረት ምግብን ናህሪ ዋጋን ብዋናነት ኣጋጢምዋ ከምዘሎ ገሊፁ።