ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ሕብረተሰብ ንምፍታሕ ኣብ ከተማ መቐለ ሪሊስቴት ንምህናፅ ባንኪ ወጋገን ምስ ሱር ኮንስትራክሽ ስምምዕ ሰነድ ተፈራሪሞም።
እቲ ሪሊስቴት ህንፀቱ ኣብ 2016 ዓ/ም ከም ዝጅምርን ንልዕሊ 50 ሽሕ ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ዘለዎም ወገናት ከምዝፈትሕን ኣካያዲ ስራሕ ሱር ኮንስትራክሽ ኣይተ ዘንፉ ኣሰፋ ገሊፆም።
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/06/350351189_211255745062312_5422642521300017019_n.jpg)
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/06/350676350_6300798429997981_8574737126216601931_n-1024x461.jpg)
ፀገማት ሕብረተሰብ ንምቅላል ምስ ሱር ኮንስትራክሽን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉን ትግራይ ዳግም ህንፀት ትግራይ ንምቅልጣፍ እዉን ትካሎም ከምዝሰርሕ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ባንኪ ወጋገን ኣይተ ኣክሊሉ ዉበት ገሊፆም።
ብእየሩሳሌም ገ/መድህን