Home ዜና ኣብ ከተማ መቐለ ንልዕላ 50 ሽሕ ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ሕ/ሰብ ክፈትሕ ትፅቢት...

ኣብ ከተማ መቐለ ንልዕላ 50 ሽሕ ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ሕ/ሰብ ክፈትሕ ትፅቢት ዝግበሮ ዘመናዊ ሪልስቴት ክህነፅ ሰነድ ተፈሪሙ።

645

ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ሕብረተሰብ ንምፍታሕ ኣብ ከተማ መቐለ ሪሊስቴት ንምህናፅ ባንኪ ወጋገን ምስ ሱር ኮንስትራክሽ ስምምዕ ሰነድ ተፈራሪሞም።

እቲ ሪሊስቴት ህንፀቱ ኣብ 2016 ዓ/ም ከም ዝጅምርን ንልዕሊ 50 ሽሕ ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ዘለዎም ወገናት ከምዝፈትሕን ኣካያዲ ስራሕ ሱር ኮንስትራክሽ ኣይተ ዘንፉ ኣሰፋ ገሊፆም።

ፀገማት ሕብረተሰብ ንምቅላል ምስ ሱር ኮንስትራክሽን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉን ትግራይ ዳግም ህንፀት ትግራይ ንምቅልጣፍ እዉን ትካሎም ከምዝሰርሕ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ባንኪ ወጋገን ኣይተ ኣክሊሉ ዉበት ገሊፆም።

ብእየሩሳሌም ገ/መድህን