Home ዜና ዑደት ኣምባሳደር ነርወይ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ

ዑደት ኣምባሳደር ነርወይ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ

640

ኣምባሳደር ነርወይ ኣብ ኢትዮጵያ ስቲያን ክርስተንሰን ኣብ ህልዉ ኩነታት፣ተስፋታትን ብድሆታትን ትግራይ ኣድሂቦም ምስ ሓላፊ ካብኔ ሴክሬታሪያት ስግግር ማሕበራዊ ልምዓት ፕሮፌሰር ክንድያ ገ/ህይወትን ኣመራርሓ ዩኒቨርስቲ መቐለን ዘትዮም። ኣብቲ እዋን ድማ መንግስቲ ነርወይ ኣብ ዓውደ ጥዕና ትግራይ ሓጋዚ ኮይኑ ከም ዝፀንሐ ዝገለፁ ፕሮፌሰር ክንደያ ነርወይ ካብ 1996 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ኣብ ህንፀት ትካላዊ ዓቕሚ ንዝገብሮ ዘሎ ድጋፍን ክትትልን ንኢዶም።