Home ዜና ዝቕፅል ዘሎ ጨፍጫፍ ኢትዮጵያ

ዝቕፅል ዘሎ ጨፍጫፍ ኢትዮጵያ

952
0

ካብ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ጀኖሳይድ፤ ብተመሳሳሊ ካብ ወርሒ ሓምለ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ተስፋሕፊሑ ብተወሰኺ ድማ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝቕፀል ዘሎ ጨፍጫፍ፣ ማሕበረሰብ ዓለም ትኹረት ክገብረሉ ከምዝግባእ ትካል ትሓላቂ ሰብኣዊ መሰላት(Human Rights Watch) ገሊፁ፡፡

ቅድሚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ መስካሕኽሒ ኲናት ስዒቡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ግህሰት ሰብኣዊነትን ይፍፀም ምንባሩ ዝገለፃ ዳይሬክተር ትካል ትሓላቂ ሰብኣዊ መሰላት(Human Rights Watch) ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ላቲሻ ባደር፤ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ዋና ከተማ ኢትዮጵያ ዝተቐንፀለ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ እኹል ምስክር ምዃኑ ገሊፀን፡፡

ንሞት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ኣብ ኦሮሚያ ዝተቐስቀሰ ዓመፅ ንሞት 178 ሰላማዊያን ሰባት  ምኽንያት ኮይኑ ምሕላፉ ዝገለፃ ላቲሻ ባደር፤ ኣብ’ዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኦሮሚያ ተፈጢሩ ዘሎ መንግስታዊ ዓፈና፣ እስራት፣ መቕተልቲን ምፍንቓልን ዓለም ለኸ ትኹረት ክወሃቦ ይግባእ ኢለን፡፡

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ብሽም ምጥፋእ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ሰለስተ ዓመታት ዘቑፀረ ውጥረትን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ተጠናኪሩ ምቕፃሉ ዝገለፃ ላቲሻ ባደር፤ ብሰንኪ ምቁርራፅ መሰረተ ልምዓት ኣብ’ቲ ከባቢ ዝተረጋገፀ ሓበሬታ ምርካብ እኳ እንተዘይከኣለ ዓለም ለኻዊን ዘይሻራዊ ኣካልን ኣትዩ ከፃርዮ ፃውዒት ኣቕሪበን፡፡

Previous article‘ብእሽሩሩ መዓንጣይ ሓሪሩ’ ወ/ሮ ማሚት ታደሰ
Next articleዘይተኣደነ ጀኖሳይድ ዛላንበሳ