Home ዜና ምቁራፅ ምግቢ ንተሓከምቲ ሆሰፒታል መቐለ

ምቁራፅ ምግቢ ንተሓከምቲ ሆሰፒታል መቐለ

1029
0

ሓፈሻዊ ሆስፒታል መቐለ ብውሽጣዊ ዓቕሚ ፣ ብግዱሳት ኣካላትን ዲያስፖራ ትግራይን ብዝግበረሉ ድጋፍ  ንተሓከምቲ ክህቦ ዝፀንሐ ቀረብ መግቢ ጠጠው ከምዘበለ ኣፍሊጡ ፡፡

ተሓከምቲ ብሰንኪ ኣጋጢሙ ዘሎ ስእነት መድሓኒትን ቀረብ መግቢን ንሞት ይሳጥሑ ከምዘለዉ ድማ ሰብ ሞያ ሕክምና እቲ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ገሊፆም ፡፡

ሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል እውን ብሰንኪ ክልከላ መሃያ ንጥምየት ተሳጢሖም ንስራሕቶም ዕንቅፋት ይፈጥረሎም ዋላኳ እንተሃለወ ንዘጋጠሞም ማሕንቆታት ተፃዊሮም ህዝቦም  ንምግልጋል ዝክኣሎም ይገብሩ ከምዘለዉ እቶም ሰብ ሞያ ሕክምና ተዛሪቦም ፡፡

ይኹን እምበር ብሰንኪ ፀላእቲ ኣጋጢሙ ብዘሎ ሰእነት መድሓኒትን ቀረብ መግብን ህይወት ብርክት ዝበሉ ወገናት ንስእን ኣለና ኢሎም ፡፡   

ኣካያዲ ስራሕ ሓፈሻዊ ሆስፒታል መቐለ ዶ/ር ፊልሞን መስፍን ብወገኖም እቲ ሆስፒታል     ብሰንኪ ኣጋጢሙ ዘሎ ዕፅዋ ዝረኽቦ ኣታዊ ስኢኑ ብግዱሳት ኣካላት ብዝግበረሉ ድጋፍ   ንተሓከምቲ ክህቦ ዝፀንሐ  ቀረብ መግቢ ጠጠው ከምዘበለ ኣፍሊጡ ፡፡

ኩሎም ግዱሳት ወገናት ብፍላይ ድማ ዲያስፖራ ትግራይ ነዚ ፀገም ተገንዝቦም ህዝቦም ንምድሓን ክረባረቡ ከምዝግባእ እውን ዶ/ር ፊሊሞን ፀዊዖም ፡፡

ብበላይ ሽፈራው

Previous articleሓገዝ ግዱሳት ኤርትራውያን
Next articleሰናይ ተግባር ዲያስፖራ ትግራይ