Home ዜና ስነ-ስርዓት ካልኣይ ቀብሪ ብግፍዒ ንዝተቐተሉ 84 ሰላማዎያን ነበርቲ ወረዳ ኣስገደ

ስነ-ስርዓት ካልኣይ ቀብሪ ብግፍዒ ንዝተቐተሉ 84 ሰላማዎያን ነበርቲ ወረዳ ኣስገደ

914
0

ኣብ ዞባ ሰሜን ዕራብ ትግራይ ወረዳ ኣስገደ ጣብያ ማይ በርበሃ ብመቐደላን ዋልያን ዝተበሃሉ ጉጅለ ፋኖ ኣምሓራ ብግፍዒ ንዝተቐተሉ 84 ሰላማዎያን ወገናት ስነ-ስርዓት ካልኣይ ቀብሪ ተፈፂሙ።

ኣብታ ወረዳ በቶም ግፍዓውያን ሓይልታት ማእለያ ዘይብሉ ዝተፈፀመ እንትኾን በቶም ወረርቲ ሓይልታት ኣብቲ ከባቢ 81 ደቂ ኣንስትዮ ከምዝተዓመፃ ምምሕዳር ወረዳ ኣስገደ ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ ድማ ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ኣምሓራ ካብቲ ከባቢ ካብ ዝርከብ ሕ/ሰብ ልዕሊ 25 ሽሕ እንስሳትን ልዕሊ 40 ሽሕ ኩንታል እኽልን ወሪሮም ከም ዝወሰዱ  ምምሕዳር ወረዳ ኣስገደ ገሊፁ።

ካብዚ ብተወሳኺ እውን እቶም ጀኖሳይዳውያን ሓልታት ብዝፈጠርዎ ዕፅዋን ክባን ብምኽንያት ዘጋጠመ ስእነት መድሓኒትን ምግብን  89 ወገናት ህይወቶም ዝሰኣኑ ምምሕዳር እታ ወረዳ ከምዝገለፀ መሳርሕትና ሰመረ ገ/መስቀል ካብቲ ቦታ ፀብፂቡ።

Previous articleእዋናዊ መግለፂ መንግስቲ ትግራይ
Next articleዋዕላ ወፍሪ ክታበት