Home ዜና ሽልማት ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም

ሽልማት ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም

867
0

ትካል ሮያል ሶሳይቲ ንዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንዘርኣይዎ ጠንካራ መሪሕነት ሽልማት ኣበርኪቱ፡፡ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ኣፈፃፅማ ስርሖም የርእይዎ ብዘለዉ ብቅዓት ሮያል ሶሳይቲ ዝተብሃለ ትካል ሽልማት ክብሪ ከምዘበርከተሎም እቲ ትካል ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ዕላዊ ገይሩ፡፡

እቲ ትካል ምርምር ኣብ ለንደን ዝርከብ ኮይኑ ንዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሽልማት ኣፍልጦ ዘበርከተሎም ዓለም ኣብ ዝተፈላለየ ፀገም ኣብ ዘላትሉ እዋን ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዘርእይዎ ዘለዉ ጠንካራ መሪሕነት መሰረት ገይሩ ኣፍልጦ ንምሃብ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡ሮያል ሶሳይቲ ዝተብሃለ ትካል ኣብ ዓለምና ካብ ዘለዉ ዓበይቲ ትካላት ምርምር ሓደ ኮይኑ ፍሉጣት ሳይንቲስት ዝመራመርሉን ዕድመ ፀገብ ማእኸል ምርምርን ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንውድብ ጥዕና ዓለም ንካልኣይ ግዜ ክመርሑ ድሕሪ ምሕራዮም ብርክት ዝበሉ ሽልማታት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ይብርከተሎም ከምዘሎ ዝፍለጥ እዩ፡፡

Previous articleድልውነት ህንፀት ውሕስቲ ትግራይ
Next articleወያነ ፀላኢና ብዝብል ጉልባብ ተሓቢኡ ዝፀንሐ ስርዓት ህግደፍ ቀንዲ ፀላኢ ህዘቢ ኤርትራ እዩ – ጋዜጠኛ ኣማኒኤል ኢያሱ