Home ዜና ብምኽንያት ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይን ልደት ህወሓትን በዓል 11 ለካቲት ዝተዋህበ...

ብምኽንያት ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይን ልደት ህወሓትን በዓል 11 ለካቲት ዝተዋህበ ውድባዊ መግለፂ

965
0

——
ዝኸበርካ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዘለኻ መላእ ህዝቢ ትግራይ ዝኸበርኩም ኣመራርሓን ኣባላትን ህወሓትዝኸበርካ ጅግና ሰራዊት ትግራይዝኸበርክንን ዝኸበርኩምንቅድሚ ኹሉ ‘‘11 ለካቲት መሰረት ፅንዓትናን ውሑስ መፃኢናን’’ ብዝብል ቴማ ናብ ዝኽበር ዘሎ መበል 48 ዓመት በዓል 11 ለካቲት እንኳዕ ኣብፀሐኩም እንትብል ውድብና ህወሓት ዝለዓለ ሓበን ይስምዖ።
11ለካቲት ንህዝቢ ትግራይተምሳሌት ጅግንነት፣ ሓፂናዊ ፅንዓት፣ ተወፋይነት፣ ናይ ቃልሲ ሓድነት፣ ንዕላማ ናይ ዝኽፈል መስዋእትን ዓወትን ‘ያ። ነዛ ዕለት እንትነኽብር ህዝባዊ ቃልስና ዝሓለፎ ውፃእ ውረድ፣ ዝተኸፈለ መስዋእቲ፣ ዝተሰርሐ ቅያን ዘመዝገብናዮም ድሙቓት ዓወታትን እንዝክረላን ሕሉፍ ጉዕዞና ገምጊምና ንቐፃሊ ጉዕዞ ቓልስና ዘይነፅፍ ትምህርቲ እንወስደላን ወርቃዊትን ታሪኻዊትን ዕለት ‘ያ።


ናይ 17 ዓመት ሕሉፍ ጉዕዞ ቃልስና ንፁር ዕላማ ዝነበሮ፣ ብውሑዳት ጀሚሩ መላእ ህዝቢ ትግራይ በዓል ዋና ዝገበረ፣ ከም ህዝቢ መስዋእቲ ብምኽፋል ኣብ ልዕሊኡ ተፃዒኑ ዝነበረ ኣርዑት ብሄራውን ደርባውን ጭቆና ንሓንሳብን ንሓዋሩን ቀንጢጡ ብምድርባይ ብሄራዊ ክብሩን መንነቱን ዝሕሉ፣ ፌደራላዊ ስርዓት ክትከልን፣ ኣብ መላእ እታ ሃገር ሰላም፣ ዲሞክራሲን ቅልጡፍ ልምዓትን ምርግጋፅ ዝጀመረ፣ ህዝቢ ብሰላም ወፅዩ ክኣቱ፣ ካብቲ ቅልጡፍ ልምዓት በቢደረጅኡ ተጠቃማይ ክኸውን ዘኽኣለ መሪር ግን ድማ ዕውት ታሪኽ ዝተመዝገበሉ ጉዕዞ ቃልሲ ‘ዩ።
መቑሕ ባርነት ንሓንሳብን ንሓዋሩን ንምቕባር ይካየድ ኣብ ዝነበረ ብርቱዕ ቃልሲኣሃዳዊ ሓይሊ ካብ ስልጣን ‘ኳ እንተተወገደ ብውዳበን ብተናፀልንኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶ ፀለመን ናይ ጥፍኣት ወፍርን ግና ኣቋሪፁ ኣይፈልጥን። ቅድም እንትብል ዝደለይዎ ናይ ምግባር ዓቕሞም ኣብ ዝተመንጠሉሉ ኩነታት ኮይኖም ዘካይድዎ ዝነበሩ ፀለመ እንትኾን ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ግን በትረ-ስልጣን ጨቢጦም ሃፍቲሃገር ተጠቒሞም ንህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡን ናይ ብዕራይ ወለደ ሓሶት እንደፈጠሩ ብሚድያ፣ ፅሑፋት፣ ዲኩመንተሪ ፊልምታት ወዘተ ደጋጊሞም ብምግዋሕ ነቲ ካሊእ ህዝቢ ብምድንጋር ክፅላእ፣ ክበሳበስ፣ ትግራዋይ ብግፍዒ ክቕተል፣ ክፈናቐልንክውረርን ነውሪ ከምዘይኮነ ተገይሩ ክሰኣል ብምግባር ቅድሚ ቅሉዕ ወራር ምጅማሮም ኣብ መላእ እታ ሃገር ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕታት ፈፂሞም ‘ዮም።


ዝሓለፉ ክልተ ናይ ኵናት ዓመታት ብሓደ ገፅ ልፍንታውያን ናይ ፅንተት ሓይልታት ዘሎን ዘየሎንሓይሎም ኣኻኺቦም ንህዝቢ ትግራይ ካብ ምድረ-ገፅ ንምጥፋእ ሃቂኖም ዝተረባረብሉ፣ ህዝብና ኣብ ታሪኹ ሪኢዎ ዘይፈልጥ ዕንወትን ብርሰትን ክበፅሖን፣ ኣብ ፍፁም ክባን ዕፅዋን ኣእትዮም ብጥሜት፣ ስእነት መድሓኒትን ብሓፈሻ ድማ ብኹሉ ዓይነት ግፍዒ ክሳቐን ክረግፍን ዓሊሞም ዝተንቀሳቐሱሉ፣ ብኻሊእ ገፅ ድማ ብመንነቱን ህልውንኡን ቀፃሊ ዕድሉን ዘይደራደር ጅግና ህዝቢ ትግራይ ከምህዝቢ ዓሲሉን ጅግና ሰራዊት ሃኒፁን ብፅንዓትን ጅግንነትን መኪቱ። መሪሕ ውድብና ህወሓት እውን ነቲ መኸተ ብምምራሕ ይኹን ነባራትን ኣብ ስራሕ ዝነበሩን ኣመራርሕኡ ናይ ሂወት መስዋእቲ ብምኽፋል ሕልሚ ፀላእቲ ዘምከናሉን ብሓይሊ ካብ ምድረ-ገፅ ከጥፍኡናን ብዅናት ክውድእዎን ከምዘይኽእሉ ተረዲኦም፣ ተገዲዶም ናብ ማኣዲ ሰላም ክመፁ ዝገበረሉ መስተንክራዊ ቅያን ጅግንነትን ዝተፈፀመሉ ናይ መኸተ ዓመታት ነይሩ።
ዝኸበርካ ጅግና ህዝቢ ትግራይ ዝኸበርኩም ኣመራርሓን ኣባላትን ህወሓትመኸተ ህዝቢ ትግራይ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ይሰጋገር ኣሎ። ካብ ናይ ኵናት ምዕራፍ ናብ ሰላማውን ፖለቲካውን ናይ ቃልሲ ምዕራፍ ንሰጋገር ኣለና። ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዕፅው ብምዃኑ ተገዲድና ዝኣተናዮ ዂናት ብሰላማዊ መንገዲ ክንቅፅለሉ ዘግብር ተስፋ ሰላም ተፈጢሩ ኣሎ።እዚ መላእ ህዝብና፣ መሪሕ ውድብናን ጅግና ሰራዊትናን ብዘካየድዎ ዘይተሓለለ ቃልስን ዝተኸፈለ ከቢድ መስዋእትን ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ክንሰጋገር ዘኽኣለ ውፅኢት ፅኑዕ መኸተ ህዝቢ ትግራይ ኮይኑ ወፅዩ ኣሎ።መኸተና መልክዑ ቀይሩ ‘ምበር ገና ኣይተዛዘመን። ናብ ሰላማዊ ፖለቲካዊ መልክዕ ቃልሲተቐይሩ ኣሎ። ብሓደ ገፅ ዝተበገስናሎም ፖለቲካዊ ዕላማታት ገና ኣይተመለሱን ብተወሳኺ ድማ ኣብ ልዕሌና ብዝተኣወጀ ጀኖሳይድ ከቢድ ናይ ሂወት፣ ስነ-ልቦናንሃፍትን ዕንወት በፂሑና ‘ዩ። ሉኣላዊ ግዝኣት ትግራይ ገና ኣይተመለሰን፣ ህዝብና ሕዚ ‘ውን ይፀንት እዩ ዘሎ። ብኻሊእ ገፅ ነዚ ሰላም ዘይተቐበሉን ክዕንቀፍ ዝደልዩን ሓይልታት ኣለው። በዚ መሰረት ብቓልስና ዘምፃናዮ ናይ ሰላም ተስፋ ከይፅልምት፣ ክዓሙቕን ክሰፍሕን ምሳና ስምምዕ ሰላም ፈሪሙ ምስዘሎ መንግስቲፌደራል ብሓባር ብምዃን ሰላምና ከዐንቅፉ ንዝደልዩ ሓይልታት ክንምክትን ውሑስ ክንገብርን ክንሰርሕ ይግባእ።


ታሪኽ ውድብና ከምዘረጋግፆ ውድብኩም ህወሓት እናተቓለሰ ዝህደስን ዝማዓራረን እናተማዓራረየ ዝቓለስ ናይ ዘየቋርፅ ለውጢ ውድብ ‘ዩ። ኣብ ታሪኹ ብዙሕ ግዜ ካብ ደውታ ናብ ቅልጡፍ ለውጥን ጉዕዞን ዝተሰጋገረሎም መድረኻት ብርክት ዝበሉ ‘ዮም። ሕዚ ‘ውን ህወሓት ሕሉፍ ጉዕዝኡ ብዕምቆት ገምጊሙ፣ ዝምረሐሎም መስመራትን ፕሮግራማትን ፈቲሹ መድረኽ ዝጠልቦ መሰረታዊ ለውጥን ምትዕርራያትን ክገብር ተዳልዩ ኣሎ። ዛጊድ ‘ውንኩነታት ዝጠልቦን ድሌት ህዝቢ ትግራይ ማእኸል ዝገበረን ሓቛፋይ ምትዕርራይ ፈፃሚ ኣካል መንግስቲ ንገብር ኣለና።
እንኣትዎ ዘለና መድረኽ ብዓይነቱ ሓዱሽን ዝተሓላለኸን ‘ዩ። ብምዃኑ ሰላምና ውሑስ ክኸውንን ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ብዘረጋግፅ መንገዲ ክፍፀምን፣ ኣብ ሕውየትን ዳግመ-ህንፀትን፣ ምዕብልቲ ትግራይ ንምህናፅ፣ ባህግን መፃኢትን ትግራይ እናሓሰብና፣ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ሓድነትና ኣስጢምና እንቃለሰሉ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ገበን ወራር፣ ገበን ፀረ ሰብኣውነት፣ ገበን ኵናትን ጀኖሳይድን ዝፈፀሙ ኣካላት ተሓተቲ ዝኾኑሉ፣ ህዝብና ፍትሒ ክረክብን ክካሓስን ኩለ-መዳያዊ ቃልስና ኣጠናኺርና ክንቅፅል ህወሓት ይፅውዕ!
ዝኸበርካ ጅግና ህዝቢ ትግራይኣብ ዝሓለፈ ናይ 17 ዓመታት ዕጥቃዊ ቃልስና ብዝኸፈልካዮ ኩለመዳያዊ መስዋእቲ ንዓወት በቒዕኻ ኢኻ። ሕዚ ድማ ትማሊ ዝሳዓርካዮም ፀላእቲ ብሕዱር ቂምን ፅልኣትን ተለዓዒሎም ከም ህዝቢ ከፅንቱኻ ኩሉ ዝካኣሎም ገይሮም። ይኹን’ምበር ንፈታዉን ፀላእን ብዘስደምም ፅንዓትን ጅግንነትን መኪትካ ናብ ሓዱሽ ናይ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ምዕራፍ ኣሰጋጊርካዮ ኣለኻ። ሕዚ ‘ዉን መኸተና ገና ኣይተዛዘመን ብምዃኑ ሰላምካ ክተስፍሕን ንዘዐንቅፉ ሐይልታት ክትምክትን ኩሉ ግዜ ድልው ክትከውን፣ ኣብ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ክትነጥፍ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ሓድነትካ ኣስጢምካ ውድብካ ኣብ እተካይዶ መሰረታዊ ለውጢ ብንቕሓት ብምስታፍከምቲ ልሙድ ቃልስኻ ክተሐይል ዉድብካ ህወሓት ይፅዉዕ!


ዝኸበርካ ጅግና ሰራዊትና ፅንዓትን ጅግንነትን ዝመለለይኻ ጅግና ሰራዊት ትግራይ ምስ ሽሾ ሰራዊት ልፍንታዉያን ሓይሊታትን ባዕዳዉያን ወረርትን ተሓናኒቕካ ናይ ሰማይን ምድርን ፈተናታትተፃዊርካ ከቢድ መስዋእቲ ብምኽፋል፤ ንዓለም ዘስደመሙ ኣንፀባረቕቲ ዓወታት ብምምዝጋብ እቲ ቓልሲ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ኣሰጋጊርካዮ ኣለኻ።በዚ ዘኹርዕ ተግባርካ ህዝብኻን ዉድብ ህወሓትን ዝለዓለ ሓበን ይስመዖም።ንቕድሚት‘ዉን ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ መሊኡ ክሳብ ዝረጋገፅን ንስምምዕ ፕሪቶርያ መሰረት ገይሩ ዝግበር ምትዕርራይን ብቐፃሊ ዝዋሃበካ ልኡኽን መሰረት ጌርካ ብፅንዓት ከምትቃለስ ህዝቢ ትግራይን ዉድብ ህወሓትን ይተኣማመኑ። ኣብ እተካይዶ ቀፃሊ ቓልሲ ኩሉ ድማ ኣብ ጎንኻ ምዃኖም የረጋግፀልካ።
ዝኸበርኩም ኣመራርሓን ኣባላትን ህወሓትወረርቲ ከም ህዝቢ ንምጥፋእ ዝኣወጁልና ወፍሪ መኪትና ናብ ሓዱሽ ናይ ቃልሲ መድረኽ ተሰጋጊርና ኣለና። ኣብዚ ሓዱሽ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ናይ ቃልሲ መድረኽ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ መሊኡ ክሳብ ዝረጋገፅ ኣመራርሓን ኣባላትን ህወሓት እቲ ቓልሲ ኣብ ዝሓቶ ኩሉ መሪሕ ተራኹም ክትፃወቱ ዉድብኩም ህወሓት ይፅዉዕ።ዝኸበርኩም ስድራ ስውኣትን ስድራ ተጋደልትን፣ ጉድኣት ኵናት፣ ተጋደልትን ነባር ዓቕምታትን ቃልስናብዝኸፈልናዮ ከቢድ መስዋእቲ ሰላም ተረጋጊፁ፣ ልምዓትን ዲሞክራሲን ኣብ ዝሳለጠሉን ንቕድሚት ኣብ እንምርሸሉን እዋን ከም ህዝቢ ከጥፍኡና ተላዒሎም፣ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕታት ፈፂሞምልና ግን ድማ ብፅንዓት መኪትናዮ። ጀጋኑ ሰለስተ ምዕራፍ ቃልስናን ናይ ሕዚ ወለዶን ኣብዚ መኸተ ብዝተፃወትኩሞ ተራ ውድብኩም ህወሓት ዝለዓለ ሓበን ይስመዖ። ሕዚ ብቓልስና ተስፋ ሰላም ተረኺቡ ኣሎ። ውሑስ ሰላም ፣ሕውየትን ዳግመ- ህንፀትን ትግራይ ንምርግጋፅን ካልኦት ዕላማታትና ክሳብ ዝዕወቱን ቃልስኹም ክተሐይሉ ዉድብኩም ህወሓት ይፅዉዕ።


ዝኸበርኩም መናእሰይ ትግራይዘጋጠመና ወራር ብባህሪኡ ዝተፈለየን ከም ህዝቢ ከፅንተና ዝተላዓለን ‘ዩ ነይሩ። ብፍላይ ድማ መንእሰይ ንምብራስ ዓሊሙ ኣሽሓት ቀቲሉ፣ ኣፈናቒሉ፣ ኣሲሩን ጨውዩን’ዩ። ነዚ ወራር ፅንተት ንምምካት መንእሰይ ትግራይ ዘርኣዮ ፅንዓት፣ ጅግንነትን ዝሰርሖ ዘስደምም ታሪኽን ዓለም ዘገረመ ንወገን ዘሐበነ ‘ዩ። ሕዚ ብዝኸፈልናዮ ከቢድ መስዋእቲ ተስፋ ሰላም ምርኣይ ጀሚሩ ኣሎ፤ እዚ ተስፋ ሰላም ንምስፋሕን ነዚ ንዘዐንቅፉ ክትምክትን ኩሉ ግዜ ድልው ክትከውንን ይግባእ። ኣብ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ንጡፍ ተራኻ ክትፃወትን ባህጊ መፃኢት ትግራይ ጋህዲ ንምግባር እናሓሰብካ ብንቕሓት ክትምርሽን ዉድብካ ህወሓት ይፅዉዕ።


ዝኸበርክን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይኣብ ኩሉ ዓውደ ቃልሲ ተሳቲፍክን ደጋጊምክን ዘኹረዕ ታሪኽ ኣመዝጊብክን ኢኽን። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝተኸፈተልና ወለዶ ከይቕፅል ንምግባር ዝዓለመ ወራር ፅንተት ተራእዩ ዘይፈልጥ ፆታዊ ጥቕዓትን ስቓይን በፂሑክን። ይኹን ‘ምበር በዚ ከይተሰኮንክን እኳ ዳኣስ ብዝበለፀ ሓሪንክን ናብ ሰራዊት ብምስላፍ ይኹን ኣብ ዓዲ ብፅንዓት ተቓሊስክን ብዘርኣኽንኦ መዘና ኣልቦ ፅንዓት ጀግንነትን ዉድብክን ህወሓት ዝለዓለ ሓበን ይስመዖ። ንቕድሚት ‘ዉን ተጀሚሩ ዘሎ ሰላም ከይኹለፍን ክዓሙቕን ብምግባር ኣብ ሕውየትን ዳግም ህንፀትን ትግራይ ከም ቀደምክን ቃልስኽን ዝያዳ ክተሐይላ ውድብክን ህወሓት ይፅዉዕ።
ዝኸበርኩም ምሁራትን ሰብ ሃፍትን ትግራይፀላእትና ዝወልዕዎ ኵናት ህዝቢ ትግራይ ካብ ምድረ-ገፅ ምጥፋእ ‘ዩ ‘ሞ ወለዶ ንምድስካልን ንምብራስን ዓሊሞም ዓዲ ክቕይር ዝኽእል ብዙሕ ሙሁርን በዓል ሃፍትን ተሳቕዩ፥ጠፊኡ፥ ኣብ ፍልጠትን ሃፍትን ዓዲ ከቢድ ዕንወት በፂሑ ‘ዩ። በዚ ከይተደናገፅኩም መኸተና ንምዕዋት ሂወትኩም ፍልጠትኩምን ሃፍትኹምን መስዋእቲ ብምዃን ዘካየድኩሞ ቃልሲ ታሪኻዊ’ዩ። ንቅድሚት ድማ ተጀሚሩ ዘሎ ተስፋ ሰላም ክሰፍሕ፣ ኣብ ሕውየት፣ ዳግመ ህንፀትን ኢንቨስትመንትን ትግራይ ክትነጥፉ፣ ሙሁራን ትግራይ’ውን ኣብ ምርምርን ቴክኖሎጅን ኣተኲርኩም ክትሰርሑን ብኹሉ መዳይ ክትረባረቡ ህወሓት ይፅዉዕ።


ዝኸበርኩም ኣብ ወፃኢ እትነብሩ ተወለድቲ ትግራይኩሉ ግዜ ደጋጊምና ክነልዕሎ ዝግባእ ቃልሲ ዲያስፖራ ድምፂ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝተዓፈነሉ ኣብቲ ፀልማት እዋን ድምፂ ህዝብኹም ብምዃን ዘካየድኩሞን እተካይድዎ ዘለኹምን ዘየቋርፅ ቃልሲ፣ ዘመዝገብኩሞ ዲፕሎማሲያዊ ዓወትን ዝገበርኩሞ ናይ ገንዘብ ድጋፍን ኣብ ህሊና ህዝቢ ትግራይ ዝነብር’ዩ። ክሳብ ሕዚ ብዘካየድኩሞን እተካይድዎ ዘለኹምን ቃልሲ ህወሓት ዝለዓለ ሓበን ከምዝስመዖክገልፀልኩም ይፎቱ።ንቕድሚት ‘ዉን ዝተጀመረ ሰላም ክሰፍሕ፣ ኣብ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ክትነጥፉ፣ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ገበን ፅንታ ዝፈፀሙ ገበነኛታት ብዓለምለኸ ሕጊ ተሓተቲ ክኾኑ፣ ህዝቢ ትግራይ ፍትሒ ክረክብን ክካሓስን ንምግባር ኣምባሳደራት ትግራይ ኮይንኩም ቃልስኹም ኣጠናኺርኩም ክትቅፅሉ ህወሓት ይፅዉዕ።


ዝኸበርኩም ተናሓናሕቲ ዉድባት ትግራይክሳብ ሕዚ ኣብ ዘካየድናዮ መኸተ ፅንተት ዘካየድክሞ ቓልሲ ንንእድ። ሕዚ ‘ውን እቲ መኸተ መልክዑ ቀይሩ’ምበር ገና ኣይተወደአን፤ሕዚ ኣብ መኸተ ወራር ፅንተት ተሳትፎ ዝነበሮም ኣካላት ዘካተተሓቛፋይ መንግስቲ ንምስርት ኣለና። ነዚ ኣወንታዊ ጅማሮ ሒዝና ፖለቲካዊ ኣፈላላያትና ከምዘለዎ ኮይኑ ኣብ ዘቀራርቡና ጉዳያት ሓቢርና ተደጋጊፍና ክንሰርሕ ዉድብ ህወሓት ፃዉዒቱ የቕርብ።
ፃውዒት ንመንግስቲ ኢትዮጵያሕቶታትን መሰላትን ህዝቢ ብሓይሊ ምዕፋን ከምዘይካኣል፣ ኵናት ኣብ ሂወትን ሃፍትን ዓዲ ከቢድ ኪሳራን ዕንወትን ዘብፅሕ ካብ ምዃን ዝሓለፈ ትርፊ ከምዘይብሉ ኩልና ግቡእ ትምህርቲ ወሲድናሉ ኢና ኢልና ንኣምን። ሕዚ ‘ውን እቲ ዝተጀመረ ናይ ሰላም ድርድር ንኹሎም ህዝብታት ብዝረብሕን ዘላቒ ሰላምን ምትእምማንን ብዝፈጥር መንገዲ ንምፍፃም ነዚ ዘዐንቅፉ ‘ውን ስርዓት ክሕዙ ንምግባር ሓቢርና ክንሰርሕ ፃዉዒትና ነቕርብ።
ዝኸበርኩም ህዝብታትኢትዮጵያን ሓይልታት መሰል ዓርሰ ውሳነን ደገፍቲ ቓልስናንንኽልተ ዓመታት ዝኣክል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ ኩልኹም እትፈልጥዎ ’ዩ፤ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ተወዲቡ ብዘካየዶ ፀረ ፅንተት ናይ መኸተ ኲናት ብቓልሱ ናብ ሰላማዊ ልዝብ መፅዩ ኣሎ፤ እት ግፍዕታት ግን ኣብ መላእ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ዝካየድ ምህላው ይፍለጥ። ንቕድሚት ሕገ መንግስቲ መሰረት ጌርና ሓቢርና ክንሰርሕን ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልስና ክነሐይልን ህወሓት ይፅውዕ።
ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራብዘይ ጎንፂ ክነብር ዘይኽእል ዉልቀ መላኺ መንግስቲ ኢሳያስ ኣብ ዘይውክለካን ዘይጠቕመካን ኲናት ኣእትዩ ምስ ጎረቤትካን ሓዉካን ዝኾነን ንነፃነትካ ብዙሕ ዋጋ ዝኸፈለን ህዝቢ ትግራይ ምስ ካልኦት ተላፊኑን ደቅኻ ብገንዘብ ሸይጡን ምንጪ እቶት ብምግባር ዘካየዶ ወራርን ዝፈፀሞን ዝፍፅሞ ዘሎን ምፅናት ህዝቢ ኣዛይዱ ይቕፅለሉ ኣሎ። ናይ ሰላም ተስፋ ኣብ ዝተፈጠረሉ እዋን ‘ውን ነቲ ሰላም ንምዝራግን ተሰፋ ሰላም ንኽፅልምትን ዕንቅፋት ኮይኑ ይቕፅል ኣሎ።እዚ ሓይሊ እዚ ፀረ ሰላም ተግባሩ ደው ከብል ቃልስኻክተሐይል ፃዊዒትና ነቕርብ።


ዝኸበርኩም ማሕበረሰብ ዓለምን ደገፍቲ ቃልስናንማሕበረሰብን ሚድያታትን ዓለምና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ ኣብ ምቅላዕን ምኹናንን ከምኡውን እቲ ኲናት ሰላማዊ መዕለቢ ክረክብ ንምግባር ዝወሰድኩሞ ተበግሶን ዘካየድኩሞ ፃዕርን ኣብ ጎኒ ብዱል ህዝቢ ትግራይ ደው ምባልኩምን ዘለና ምስጋና ንገልፅ:: ሕዚ ‘ውን ዝተጀመረ ናይ ሰላም ፃዕሪ መወዳእትኡ ክበፅሕ፣ ዕፅዋ ሙሉእ ብሙሉእ ክኽፈት፣ ኩሎም ክልከላታት ክለዓሉ፣ እሱራት ክፍትሑ፣ በጀት ክልቀቕ፣ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ብህፁፅ ክጅመር፣እቲ ብዱል ህዝቢ ትግራይ ፍትሒ ክረክብን ክከሓስን፣ገበን ወራር፣ ገበን ፀረሰብኣውነት፣ ገበን ኲናትን ጀኖሳይድን ዝፈፀሙ ገበነኛታት ናብ ዓለምለኸ ሕጊ ክቐርቡን ፍርዶም ክረኽቡን ማሕበረሰብ ዓለም ተፅዕኖታቱ ከሐይልን ተሪር ስጉምትታት ክወስድን ፃዊዒትና ነቕርብ።
11 ለካቲት መሰረት ፅንዓትናን ውሑስ መፃኢናን!

ዘልኣለማዊ ክብሪ ንጀጋኑ ስዉኣትና !

ትግራይ ትስዕር

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት

11 ለካቲት 2015ዓ/ም መቐለ

Previous articleመግለፂ ኣባላት ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ምጥያሽ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ
Next articleጉባኤ ሊቃነ ጳጳሳት ትግራይ ካብ ቅዱስ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ዝተፀሓፎ ደብዳበ ተቀባልነት ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ፡፡