Home ማሕበራዊ ብዘይምቁራፅ ዝቕፅል ዘሎ ጀኖሳይድ

ብዘይምቁራፅ ዝቕፅል ዘሎ ጀኖሳይድ

737
0

—–

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ግፍዒ ብዘይምቁራፅ ይቕፅል ከምዘሎን ናብ ሽረእንዳስላሰ ዝመፁ ቁፅሪ ተመዛበልቲ ይውስኽ ምህላውን ተገሊፁ፡፡

ገባቲ ሓይሊ ኣምሓራን መሻርኽቱን ብዘይምቁራፅ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ከበድቲ ገበናት ይፍፅሙ ከምዘለውን ካብ ምዕራብ ትግራይ ተመዛቢሎም ናብ ዞባታት ሰሜን ምዕራብን ማእኸላይን ትግራይ ሓደሽቲ ተመዛበልቲ ይመፁ ምህላዎምን ሪሊፍ ዌብ ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ኣቃሊሑ፡፡

 ኣብዚ ቐረባ እዋን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ነበርቲ ምዕራብ ትግራይ ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉን እቲ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣዚዩ  ዝኸፍአ ክኸውን ከምዝገበሮን እቲ ሓበሬታ ዕላዊ ገይሩ፡፡

ከተማ ሽረእንዳስላሰ ብዙሓት ተመዛበልቲ ዝተዓቖቡላ ከተማ ብምዃና ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዘጋጠመን ተመዛበልቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘይረኸቡን ወሲኹ ፀብፂቡ፡፡ ኣብ ከተማ ሽረእንዳስስላስ ጥራሕ 18 ማእኸላት መዕቖቢ ተመዛበልቲ ከምዘለዋን ካብ ዓቕመን ንላዕሊ መሊአን ብምህላወንን እቶም ኣብዚ ቐረባ እዋን ካብ ምዕራብ ትግራይ ተመዛቢሎም ዝመፁ ወገናት መዕቖቢ ከምዝሰኣኑን ከቢድ ፈተና ይበፅሖም ምህላውን ኣመልኪቱ፡፡

እቶም ተመዛበልቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክረኽቡን ኣብ ዝሓፀረ እዋን ናብ መረበቶም ተመሊሶም ስሩዕ ሂወቶም ዝመርሕሉ ኩነታት ክፍጠርን ድማ ሪሊፍ ዌብ ፀብፂቡ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 1.8 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ተመዛቢሎም ከምዝርከቡ ድማ እቲ መርበብ ሓበሬታ ኣቃሊሑ፡፡

ብተመሳሳሊ ዜና ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ህዝባዊ ግልጋሎታት ብጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ተዓፅዮም ብምህላዎም ናብ ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምክፍፋል ከቢድ ፈተና ከምዝገጠሞ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ጉዳይ ስደተኛታት ዕላዊ ገይሩ፡፡ እቲ ትካል ንህልዊ ኩነታት ሰብኣዊ ቅልውላው ትግራይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ   ህዝቢ ትግራይ ግልጋሎታት ቴሌኮምኒኬሽን፣ ባንኪ፣ ኤሌክትሪክ፣ ግልጋሎት ጥዕናን ፅሩይ ዝስተ ማይን ካልኦት መሰረታዊ ግልጋሎታትን ከይረክብ ተኸልኺሉ ምህላውን ሂወት ሚልዮናት ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ከምዝርከብን ኣፍሊጡ፡፡ ይትረፍ ኣብ ገጠር ዝነብር ህዝቢ ኣብ ከተማ ዝነብር ህዝቢ እውን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምክፍፋል ኣፀጋሚ ኮይኑ ምህላው ሓቢሩ፡፡

ብሰንኪ ወራር እቶም ዘራያት ናብ ሱዳን ዝተሰደደ ልዕሊ 60 ሽሕ ህዝቢ ትግራይ እውን ተወሳኺ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮን ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ትኹረት ገይረን ክሰርሓሉ ከምዝግባእ ድማ መፀዋዕታ ኣቕሪቡ፡፡ ብፍላይ ድማ ህፃናት፣ መጥበውቲ ኣዴታትን ነብሰ ፁራትን ብዝኸፈአ መልክዑ ተጠቃዕቲ እቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ኮይኖም ምህላዎም ትካል ጉዳይ ስደተኛታት ዓለም ወሲኹ ገሊፁ፡፡

ብገባቲ ሓይሊ ኣምሓራን ዘራያቱን ዘስካሕክሕ ግፍዒ ዝተፈፀሞን ካብ መረበቱ ዝተመዛበለን  ህዝቢ  ምዕራብ ትግራይ ንከቢድ ሓደጋ ተሳጢሑ ከምዘሎ ድማ ተሓቢሩ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ብዕሱብ ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ  መሬቱ ተወሪሩ ዝርከብ  ህዝቢ ትግራይ እውን ንሓደጋ ተቃሊዑ ከምዝርከብን ማሕበረሰብ ዓለም ሓላፍነቱ ክፍፅምን መፀዋዕታ ቐሪቡ፡፡

ብተመሳሳሊ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ወራር ስዒቡ ዕሱብ ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ትግራይ ዝርከባ ማዕስከር ስደተኛታት ኤርትራ ማይ ዓይኒ፣ዓዲ ሓሩሽ፣ሺመልባን ሕፃፅን ዝተብሃላ መዕቖቢ ስድተኛታት ዕንወት ከምዝበፅሐንን ስደተኛታት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ከምዝበፅሖምን እውን እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፡፡

ብገ/እግዚኣብሄር ታደለ

Previous articleኣብ ልዕሊ ፀገም ተመሓላላፊ ሕማም መገረም
Next articleሰላም ባህጊ ህዝቢ ትግራይ