Home ዜና ኣብ ትግራይ መጠን ድኽዳኸ ህፃናት ብዝለዓለ ብርኪ ከምዝወሰኸ ምንካይ ድኽዳኸ ህፃናት ቃልኪዳን...

ኣብ ትግራይ መጠን ድኽዳኸ ህፃናት ብዝለዓለ ብርኪ ከምዝወሰኸ ምንካይ ድኽዳኸ ህፃናት ቃልኪዳን ሰቖጣ ገሊፁ ፡፡

1351
0

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ኣጋጢሙ ዘሎ ቑጠባዊን ማሕበራዊን ቅልውላው መጠን ድኽዳኸ ህፃናት ናብ ዝልዓለ ብርኪ ከምዝበፅሐ ቃል ኪዳን ሰቖጣ ገሊፁ ፡፡

ብዚ መሰረት ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ኲናት ተቛሪፁ ዝሐንፀ ፕሮጀክት ቃልኪዳን ሰቆጣ ዕላው ስራሕቱ ንምጅማር ምስ ዝተፈላለዩ ሴክተራት ኣብያተ ዕዮ ዘተ ኣሰሊጡ ፡፡ 

ቅድሚ ኵናት ድኽዳኸ ከብፅሖ ዝኽእል ፅዕንቶ ንምቕናስ ፕሮግራም ብዝሃ ሴክተር ምንካይ ድኽዳኸ ቃል ኪዳን ሰቆጣ ኣብ ትግራይ ብዙሓት ሴክተራት ኣብ ሓደ ጠምሩ ብምሓዝ ኣብ ብርክት ዝበላ ወረዳታት ትግራይ ብዝሰርሖም ስራሕቲ መጠን ድኽዳኸ ህፃናት ካብ ዝነበሮ ክንኪ ክእሉ እዩ ፡፡ 

ይኹን እምበር ኣብዚ ሐዚ እዋን ብሰንኪ ኲናት ኣጋጢሙ ብዘሎ ኩለመዳይ ቁልውላው መጠን ድኽዳኸ ህፃናት ናብ ዝልዓለ ብርኪ በፂሑ ከምዝርከብን እቲ ፕሮጀክት እውን ብኵናት ጠጠው ኢሉ ከምዝፀንሐን ኣብዚ ሐዚ እውን ስራሑ ከምዝጅምር ኣብ ትግራይ ኣተሓባባሪ ፕሮግራም ቃልኪዳን ሰቆጣ ኣይተ ፀጋዘኣብ ሃይሉ ገሊፆም ፡፡

ከም ኣገላሊፃ ኣይተ ፀጋዝኣብ ድኽዳኸ ብሰንኪ ዝተመጣጠነ ምግቢን ጥዕናዊ ክትትልን ዝፍጠር ዘይምዕሩይ ዕብየት ህፃናት እንትኾን እዚ ድማ ካብ እዋን ፅንሲ ክሳብ ቆልዓ ክልተ ዓመት እንተዘይተኸላኽልናዮ ንምምላሱ ከብድን ቁጠባዊን ማሕበራውን ሓንቲ ሃገር ዘዳኽምን ብምዃኑ እዚ ንምንካይ ምስ ዝተፈላለዩ ሴክተራት ኣብያተ ዕዮ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም ፡፡

ኣብ ፌደራል ዋና ኣካያዲ ስራሕ ቃልኪዳን ሰቆጣ ዶ/ር ሲሳይ ዚናሞ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ትግራይ  ቅድሚ ኲናት ብዝሰርሖም ስራሕቲ ኣብ ዓመት ብ3 ሚኢታዊ መጠን ድኽዳኸ ይቕንስ ከምዝነበረ ይኹን እምበር ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣዴታትን ህፃናትን ኣጋጢሙ ብዘሎ ስእነት ምግቢን ክትትል ጥዕናን መጠን ድኽዳኸ ሰፍሒን ፅንዓት ዘድልዮን ከምዝኾነ ብምግላፅ ነዚ ንምክልኻል ድማ ከምፕሮጀክት ብዕቱብ ንሰርሕ ኣለና ኢሎም ፡፡

ብበላይ ሽፈራው

Previous articleፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመርን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ትሬሲ ኣን ጃኮብሰንን ምስ ፕሬዝደንት ጌታቸው ረዳን ካብኔኦምን ተራኺቦም ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዘትዮም።
Next articleኣእሙራዊ ንብረት መሃዝቲ