Home Uncategorized “ብፃይ ኣረጋይ! ኣነ ደኺመ ኣለኹ። ኣብ ኢድ ፀላኢ ካብ ዝወድቕ ቕተለኒ እሞ...

“ብፃይ ኣረጋይ! ኣነ ደኺመ ኣለኹ። ኣብ ኢድ ፀላኢ ካብ ዝወድቕ ቕተለኒ እሞ ንስኻ ኪድ” ፈላመይቲ ስውእቲ ቃል ኣልጋነሽ

582

#ኣልጋነሽ

ፈላመይቲ ስውእቲ ተጋዳሊት

መቐለ፥ ሰነ 07/2017 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ኣልጋነሽ ካሕሳይ ኣብ ከተማ ሽረ ቀበሌ 04 (ዓዲ ከንቲባ) ብ1946 ዓ.ም. ካብ ኣቡኣ ኣይተ ካሕሳይ ገዘሀኝ ካብ ኣዲኣ ወይዘሮ ኣሰፋች ታመነ ተወሊዳ። ጳጉሜን 03/1968 ዓ.ም. ንበረኻ ወሪዳ ናብ መስርዕ ውድብ ተሓዊሳ።

“ኣልጋነሽ ጓል ዓዲ ከንቲባ ቁምጣ ስረ ዓጢቓ፣ ዝተሸረኸ ሳእኒ ምስ ገምባለኡ ገይራ፣ ኩሹፍ ኣብ ርእሳ ጠምጢማ፣ ብረት ኣብ ማእገራ ሰቒላ ተባዕታይ እምበር ኣንስተይቲ ኣይትመስልን። ተጋደልቲ ድማ ክርቢት እናበሉ እዮም ዝፅውዕዋ።”

ኢድዩ ፈለማ ኣብ ዓዲ ነብሪኢድ ድሓር ድማ ኣብ ወርሒ መስከረም 1969 ዓ.ም. ኣብ ጨዓ መስከበት ተዘቢጡ ሃደመ። ነዚ ሕነ ንምፍዳይ ኢሉ 12,000 ዝሰልጠነ ሰራዊት ምስ ዘመናዊ ኣፅዋር ዓጢቑ ወርሒ መጋቢት ናብ ከተማ ሸራሮ መፂኡ መጥቃዕቲ ከፊቱ። ሽዑ ኣብቲ ቦታ ንርአ ዝመርሓ፣ 65 ተጋደልቲን 56 ወየንቲን ዝሓዘት ሓይሊ 21 ተኸላኸለት።

ኲናት ሸራሮ ብጣዕሚ ከቢድን ምእንቲ ህዝቢ ኢልካ ዓብይ መስዋእቲ ዝተኸፈለሉን ነይሩ ይብሉ ነቲ ታሪኽ ዘዘንተዉ ተጋደልቲ። ተጋዳላይ ህወሓት ህዝብና ገዲፍና ኣይንኸይድን ኣብ ቅድሚ ንዓና ዝኣመነ ህዝቢ ንስዋእ እምበር ኢሉ ኣትኪሉ ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ እዩ።

ኣብቲ ኲናት ከምኒ ኣልጋነሽ፣ ጃዕፈር፣ ኣማረ ታረቀ፣ ፀጋይ ብኣውሩኡ ድማ መራሕቲ ሓይሊ ዝነበሩ ንርአ ምኽትሉ ዝነበረ ምሕረተኣብ፣ ስምረት ዝገበርዎ ጅግንነት ፍሉይ ነይሩ። ኵሎም ድማ ኣብኣ ኣብ ሸራሮ ተሰዊኦም።

ኣልጋነሽ ኣብቲ ከቢድ ኲናት ካርባይን ብረት ዓሚራ ግንባር ፀላኢ እንዳፈንፀሐት እያ። ካብቲ ሓደ ኩጀት ናብቲ ካሊእ እንዳተንቀሳቐሰት ሰራዊት ኢድዩ ምሕላፍ ከለአቶም። ንጀጋኑ ተጋደልቲ ድማ ሓበን ኮይናቶም። ኢድዩ ዝወደቐ እንዳወደቐ ናይ ፃዕረ ሞት ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ እንትኸፍት ብወገን ተጋደልቲ ህወሓት ድማ ብዙሕ መስዋእቲ እንትኽፈል እቶም ብህይወት ዘለዉ እውን ጥይት እንዳወድኡ እዮም።

ከምኒ ጃዕፈር ጥይት ወዲኡ ብረቱ ሰይሩ ብዶንጎላ ክሳብ ምውጋእ በፂሑ እዩ። ከምኒ እምነት ብቡምባ ኣብ ምድርባይ ተባፂሖም።

ኣብዚ ወሳኒ ኵነታት እታ ኣልጋነሽ ዝነበረትላ ጋንታ ኣንሳሕቢ ተባሂላ መምርሒ ይወርደላ። ዝተረፉ ውጉኣት ተጋደልቲ ድማ ነዛ ጋንታ ሽፋን እንዳሃቡ እዮም። ኣብዚ እዋን ድልየት ኣልጋነሽ ክሳብ መስዋእቲ ክትዋጋእ እዩ ነይሩ፥ ብፀላኢ ድማ ቆሰለት።

ኣብዚ እዋን ኣረጋይ ዝተብሃለ ወያናይ ኣብ ክባ ፀላኢ ዝወደቐት ኣልጋነሽ ኣብ ኢድ ፀላኢ ከይትኣቱ ከድሕና ፈተነ። ጥይት ዘይወደአት ናይ ኣልጋነሽ ካርባይንን ናይ ባዕሉ 4 ጥይት ዝተረፈታ ደም መላሽ ብረቱን ኣልዒሉ ንኣልጋነሽ ደጊፉ ከሳልያ ጀመረ። ኣልጋነሽ ኣእጋራ ይስጉማ ኣለዋ እምበር ጎሮሮኣ ነቒፁ ሓይላ ኩሉ ደኺሙ ተንከርከር ትብል ኣላ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ሰራዊት ኢድዩ ከሸፎም። ከቢቦም ድማ ተኹሲ ከፈቱሎም። ኣብዚ እዋን ነታ ደጊፉ ከፍ ዘበላ ኣልጋነሽ ዓይኒ ዓይና እናረኣያ ካብኣ ምፍላይ ስኢኑ ብረቱ ኣዐሚሩ በተን ዝተረፋ ጠያይቲ ንሰራዊት ኢድዩ ክዓፅድ ይፅበ ኣሎ።

ኣልጋነሽ ሓንሳብ ሓይላ እክብ ኣቢላ ከምዚ በለቶ “ብፃይ ኣረጋይ! ኣነ ደኺመ ኣለኹ። ኣብ ኢድ ፀላኢ ካብ ዝወድቕ ቕተለኒ እሞ ንስኻ ኪድ፤ ኣብ ኢዶም ከይትወድቕ” በለቶ።

ኣረጋይ ነብሱ ምኽኣል ኣበዮ፤ ግን ድማ ታሪኽ እዛ ጅግናን ታሪኹን ኣብዚ ከብቅዕ ኣይደለየን። ንኣልጋነሽ ኣብ ሓደ ኦም ዘለዎ ከውሊ ገይሩ ዝተወሰኑ ሜትሮታት ካብኣ ርሒቑ ከማዕድዋ ጀመረ።

ገዲፉዋ ከይኸይድ ከብዱ ምኽኣል ኣቢዩዎ ነታ ናይ መወዳእታ ዕፃ ክርኢ ኣዕይንቱ ብንብዓት ተመሊአን እንዳውሓዘኦ እየን። ሰራዊት ኢድዩ ኣርኪቦም እንትፍትሹ ንኣልጋነሽ ብህይወት ኣርከቡላ። ንኣልጋነሽ ማሪኾም እናጎየሉ ክኸዱ ምርኣይ ዝሰአና ወያናይ ኣረጋይ ኣፃብዕቱ ናብታ ቃታ ብምእታው ስሕብ ኣቢሉ ካብቶም ንኣልጋነሽ ክሕዝዋ ኢዶም ዝሰደዱ ሓደ ወቒዑ ኣውደቖ።

ወያ ከቢቦም ዝነበሩ ፀላእቲ ሰንቢዶም ኣብ ክንዲ ናብቲ ሰቦም ዘውደቐሎም ኣረጋይ ምትኳስ ነታ ክማርኽዋ ተሃንጢዮም ዝነበሩ ኣልጋነሽ መጅሙዕ (ብድርጋ) ብምትኳስ ሰውነታ መንፊት ገበርዎ። ኣብታ ዋልካ መሬት ወዲቓ፥ ደማ ነቲ ከባቢ ክጭቅው ገይሩዎ።

መጋቢት 20/1969 ዓ.ም. ዝተሰወአት ኣልጋነሽ ካብ ህወሓት ፈላመይቲ ስውእቲ ጓል ኣንስተይቲ እያ።

መቓብርን ሓወልትን ኣልጋነሽ ኣብ 1972 ዓ.ም. ኣብ ዝተሰረሐ ኣዳራሽ ጃዕፈር ዝርከብ እንትኾን ኣብ ሸራሮ ድማ ሓንቲ ጣብያ ብኣልጋነሽ ክስየም ተገይሩ እዩ።

ኽብርን ሞገስን ንጀጋኑ ሰማእታት!

ፍልፍል፦ ኣርካይቭ ቴሌቪዥን ትግራይን መፅሄት ወይንን