Home ማሕበራዊ ካብ ቃልሲ ናፅነት ናብ ባርነት

ካብ ቃልሲ ናፅነት ናብ ባርነት

1181
0

ኣብ መዋእል ተጋድሎ ንሓርነትን ናፅነትን ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ካብ ዘካየዱ ህዝብታት ሓደ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ኣሕሊፉ ናፅነቱ ዘበሰረ ህዝቢ እዩ። ስለዚ እዩ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ንመዓልቲ ናፅነቱ ብልዑል ታሕጓስን ሓበንን ዝተቐበላ።

በቲ እዋን ዘርኣዮ ስምዒትን ንተጋደልቲ ኤርትራ ዝገበሮ ኣቀባብላን ናፅነት ንህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ ዝኾነ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ምዃኑ ዘረጋገፀ ነይሩ።

ህዝቢ #ኤርትራ ብባዕዳዊያን መግዛእቲ ዝወርዶ ዝነበረ ግፍዕን ስቓይን ሞትን መግረፍትን ሲዒቡ ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ንምዉፃእን ናፅነቱ ንምዉሓስን ኣንፃር ባዕዳዊያንን ዘዉዳዊ ስርዓት ሃይለስላሰን ፋሽስታዊ ስርዓት ደርግን መሪር ተጋድሎ ኣካይዱ እዩ።

በዚ እዉን ድሕሪ መሪር ቃልሲ እቲ ንዘበናት ዝደመየሉን ክቡር ህይወቱ ዘወፈየሉ ብረታዊ ቃልሲ መስርሕ ሪፈረንደም ብምክያድ 99.8 እወ ንናፅነት ኣድሚፁ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 24 ግንቦት 1991 ዓ/ም ብናፅነት ተደቢሱ።

ጥልመት #ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣመልኪቱ ዝተሰናድአ ሰነዳዊ ትሕዝቶ ዝተረኸበ መረዳእታ ከም ዘመላኽቶ ብኡ ንብኡ ህዝቢ ኤርትራ ናፅነቱ ድሕሪ ምብሳር ምእንተ ናፅነቱ ዝኸፈሎ መስዋእትን ነታ ዝዓነወት ሃገር ንምድሓንን ንምህናፅን ድማ ንጥፈታት ንምክያድ እዩ ተበጊሱ።

ብዝተፈላለየ ኣገባብ ተተሊሙ ዝተበገሰ ቁጠባ ሃገር ዳግማይ ንምህናፅ ብዝብል ኣዋጅ ካብ 18 ዓመት ክሳብ 40 ዓመት ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ዜጋታት እታ ሃገር ሃገራዊ ኣገልግሎት ክህቡ ተወሲኑ።

ኣብ መፈለምታ እቲ ውሳነ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብህዝቢ እታ ሃገር ተቐባልነት እኳ እንተረኸበ ኣብ ከይዲ ግን ብስም ልምዓትን ዳግመ ህንፀትን ንዓመታት ተሓቢኡ ዝፀንሐ ውሽጣዊ ትልሚ ክጋሃድ ጀሚሩ። እቲ እንኮ ገባሪ ሓዳጊ ኤርትራ ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብቓልን ተግባርን ዘይራኸብ ጎሊሁ ወፅዩ።

ነታ ሃገር ክመርሕ ዝተቐመጠ ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣንፃር ረብሓ ክብርን መንነትን ህዝቢ ኤርትራ ጠጠው ዝበለ መራሒ ምዃኑ እዩ ከረጋግፅ ጀሚሩ።

ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ከይዲ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ መፃወድያ ኣእትዩ ቃልን ሕድርን መቓልስቱ ጠሊሙ ወፅዓ ከስፍን ዝተግሃደ ምልካዊ ጉጅለ ምዃኑ ድማ ሳሕል ወፊርና እንታይ ኣምፂእና ብዝብል ብኤርትራዊ ደራሲ የማነ ተክለገርግሽ ኣብ ዝተፀሓፈት መፅሓፍ ነቲ ሓቂ የረጋግፅ።

ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ገና ካብ ብጒሓቱ ካብ ሜዳ ጀሚሩ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘዐውት ውድባዊ ኣሰራርሓ ኣጥፊኡ ስሩዕ ጉባኤ ዘይትግበረሉ ብመፅናዕቲ ዝተደገፈ ፖሊስን ስትራተጂን ዘይሕንፀፀሉ ኢሳያስን ሒደት ሰዓብቱን እናተመረሐት ወለዶታት ዘጥፍእ ጉጅለ እናተገሃደ መፀ።

ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት እናተገሃደ ዝመፀ ሕቡእ መንነት ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብ1994 ዓ/ም ዕድመ ንእስነቶም ኣብ ቃልሲ ናፅነት ኤርትራ ዘወፈዩ ጉድኣት ኣካል ተጋደልቲ ኤርትራ ብዘይ ንሕስያ በትሩ ከም ዘዕረፈ እዩ ካብቲ ሰነዳዊ ትሕዝቶ ዝተረኸበ መረዳእታ ዝገልፅ።

እቶም ምእንተ ናፅነት ኤርትራ እንትቃለሱ ኣካሎም ዝጎደሉ ተጋደልቲ እታ ሃገር መሃያ ክንረክብ ኣይከኣልናን ተፀጊምና ዝብል ሕቶ ምልዓሎም ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ክርህርህ ይትረፍ ብህይወት ክነብሩ ኣይፈቐደሎምን።

ህዝቢ ኤርትራ ገና ስለ ናፅነቱ ዝኸፈሎ ዋጋ ሓበንን ታሕጓስን እናተሰመዖ ዝነበረሉ ድሕሪ ናፅነት ዝነበራ ሒደት ዓመታት ኢሳያስን ጉጅልኡን ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ብምምዝማዝ ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ ዘይፍፀሙ ሓደሽቲ ሜላታት ከም ዘሎ ኣምሲሎም ህዝቢ ኤርትራ ብተስፋ ክነብር ንምግባር ክሳብ ሐዚ ዘይተተግበሩ መፅብዓ ቃል ምእታው ጀሚሮም።

ይኹን እምበር ባህግን ድልየትን ህዝቢ ኤርትራ ብምጥሓስ ቅዋም ካብ ምሕንፃፅ ሰጊሩ ናብ ተግባር ከይኣቱ ብኢሳያስ ጥራሕ ዝተደለየ ኣዋጃት ብምፅዳቕ ቅዋም ማለት ሕገ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጠረዼዛ ምስ ተረፈ ኣብ ክንዲ ሰላም ኲናት ኣብ ክንዲ ፍቕሪ ፅልኢ ኣብ ዓድኻ ኣብ ክንዲ ምንባር ስደት ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ክኸዉን ዳግማይ ክፀንትን ክበርስን ብኢሳያስን ጉጅልኡን ተፈሪድዎ።

ዕላማን መትከልን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝተጨወየ ዝተረደኦም ነበራት ተጋደልቲ እታ ሃገር ተዛቲና ፍታሕ ንግበር ዝብሉ ሕቶታት ከልዕሉ ብምጅማር ኣብ ህዝቢ ተቐባልነት ዝረኸባ ጋዜጣታት ዉልቀ  ነቲ ጉዳይ ተቐባቢለን ከብፅሓ ጀሚረን።   

ልዕልና ሕጊ ክኽበር፣ መረፃ ክካየድ፣ ፖሊሲታት መሊሶም ክፅንዑ ሕቶ ንዘቕረቡ ኣካላት ምስ ሓይልታት ደገ ተማሻጢርኩም ብምባል ነቶም ሕቶ ፍትሒ ዘቕረቡ ሚኒስትራት፣ ነባራት ተጋደልትን ጋዜጠኛታትን ብምጭዋይ ዛጊድ ሃለዋቶም ክርከብ ኣይከኣለን።

ከም ሓበሬታ ጥልመት ኢሳያስ ኣመልኪቱ ዝተሰናድአ ሰነዳዊ ትሕዝቶ እቲ ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሓደ እዋን ትስፍውቲ ንዝተበሃለት ኤርትራ ሕድሪ ጠሊሙ ናይ ሓሶት መፅብዓ እናኣተወ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝጥቀመሎም ሜላ እናኾነ ቀፂሉ፡፡ ካብ 1994 ክሳብ 2002 ን 8 ዓመታት ዝቐፀለ ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት መልክዑ ብምቕያር ‘’ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ’’ ብዝብል መፀውዒ ዕድሚኦም ኣብ ቃልሲ ናፅነት ኤርትራ ዘሕለፉ ገዳይም ኤርትራ ብልምዓት ከሰጉሙ ተስፋ ዝተነበረሎም መናእሰይ ናብ ዓዉደ ኲናት እናዳጎነ ስድራ ክበታተን ህዝቢ ምፅናት ቀፂሉ።

ቻት ሃም ዝተበሃለ ትካል ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2015 ዝዘርግሖ መፅናዕቲ ካብ 1994 ክሳብ 2011 ጥራሕ 712 ሽሕ ዜጋታት ኤርትራ ሃገሮም ገዲፎም ናብ ስደት ከም ዘምርሑ እዩ ገሊፁ።

ይኹን እምበር ስደት ኤርትራውያን ሽሽይ ዓሳ ባሕሪን ሸፋቱ በረኻታት #ሲናይ ምዃኖም ኣመልኪቱ ሕቶ ዝቐረበሉ ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝሃቦ ምላሽ ህዝቢ ኤርትራ ዘሕዘነ ነይሩ ኣብ ዝተፈላለያ ዓድታት ተዘርጊሖም ዝርከቡ ተረፍ ሸሓነ ዘልምፁ ሃለዉ ኣይሃለዉ ትርጉም የብሎምን ክብል ምግላፁ ዝዝከር እዩ።

ኣብዚ ጉዳይ ቃለ-መሕትት ዝተገበረሎም ኤርትራዊያን ‘’ኤርትራ ናፅነት መሬት ረኺባ ግን ድማ ናይ ሰብ ናፅነት ዘይብላ እያ’’ ክብሉ ይገልፅዋ፡፡ ብምዃኑ ድማ እቲ ሐዚ ዘሎ ወለዶ ኣሰር እቶም ተቃለስቲ ናፅነት ኤርትራ ዘውሓሱ ሲዒቡ ነቲ ናፅነት ኤርትራ ዝሓንሸሸ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ይኣኽለካ ክብሎ ኣለዎ ኢሎም።

ብክብሮም ተስፋይ

Previous articleውሳነ መንግስቲ ትግራይ ብራኻ ሰብኣውነት ህዝቢ ትግራይ ዘረጋገፀ እዩ ኢሎም መረሕቲ ሃይማኖት ትግራይ
Next articleቴክኖሎጂካዊ ዕፅዋ ኣብ ትግራይ